ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ባህር ዳር መሪቖም ከፊቶም - ኢዜአ ትግርኛ
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ባህር ዳር መሪቖም ከፊቶም

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 25/2018 (ኢዜኣ) ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ባህር ዳር መሪቖም ከፊቶም።
እቲ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል ኣብ ፈላማይ ዙር 12 ትካላት ብርክት ዝበለ ኣገልግሎት ዝህብሎም 53 መስኮታት ዝሓቖፈ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዚ እዋን፤ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ብዝሃብዎ ኣንፈት መመሓየሺ ኣገልግሎትን ምምሕዳርን መንግስቲ መሰረት ገይሩ ካብ ፌዴራል ጀሚሩ ኣብ ኩሎም ክልላት ተግባራዊ እናተገበረ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ኣብ ዘበናዊ ኣገልግሎትን ምምሕዳርን መንግስቲ ካብቶም ቀዳሞት ከምዝኾነት ብምግላፅ፤ ይኹን እምበር ካልኦት ሃገራት ምስ ዝህብኦ ዘለዋ ዘበናዊ ኣገልግሎት እንትነፃፀር ብብዙሕ ርሕቐት ንድሕሪት ከምዝተረፈት ገሊፆም።
እዚ ፀገም ኣገልግሎት ንምፍታሕ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ተግባራዊ ከምዝተገበረ ፀሪሖም።
መሶብ በዓል ሞያን ቴክኖሎጅን ብምትእስሳር ግዜን ገንዘብን ብዝቑጥብ ቅልጡፍ ኣገልግሎት ዝፈጥር እዩ ኢሎም።
ብልፅግና ንምርግጋፅ ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ለውጢ ምምፃእ ግድን ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።
መሶብ ዝተምሃረ ሓይሊ ሰብ ከምዝደሊ ዝገለፁ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እቲ ዲጂታል ስርዓት ፀገም ብዘጋጠሞ ቁፅሪ ኣገልግሎት የለን ዝብሃል ኣካይዳ ድሕሪ ሕዚ ክህሉ የብሉን ኢሎም።
መንግሥቲ ዝተማልአ መሰረተ ልምዓት ብምዝርጋሕ ፀገም እንተጋጥም ብናይ ባዕልኻ ዓቕሚ ቅልጡፍ መፍትሒ ዝህቡ ሰብ ሞያ ብምብቃዕ መሰረተ ልምዓታት ካብ ዕንወት ምሕላው ናይ ኩሉ ሓላፍነት ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ኣብ ልምዓት ኮሪደር ዘሎ 24 ሰዓት ናይ ምስራሕ ባህሊ ኣብ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ እውን ክድገም ከምዘለዎ ፀሪሖም።
ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ብዝተጠናኸረ መልክዑ ኣገልግሎት ንክህብ መንግስቲ ፌዴራል ደገፍ ከምዝገብር ኣረጋጊፆም።