ኣከባብራ በዓል ኢሬቻ ሆረ ፊንፊኔ ባህላዊ ክብሩ ሓልዩ ብዝደመቐን ሰሓቢ ብዝኾነን ኩነታት ተዛዚሙ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 24/2018(ኢዜኣ) ኣከባብራ በዓል ኢሬቻ ሆረ ፊንፊኔ ባህላዊ ክብሩ ሓልዩ ብዝደመቐን ሰሓቢ ብዝኾነን ኩነታት ተዛዚሙ ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
ክብረ በዓል ኢሬቻ ሆረ ፊንፊኔ ህዝቢ ኦሮሞ ጥራሕ ዘይኮነስ ብርክት ዝበሉ ብሄርን ብሄረሰባትን፣ጎብነይቲ ዝተፈላለያ ሃገራት፣ተመራመርቲ ባህልን ታሪኽን ኣብ ዝተረኸብሉ ብድሙቕን ሰላማዊ ብዝኾነን ተዛዚሙ ኢለን።
እቲ በዓል ሰሓባይ ብዝኾነ፣ብዝደመቐን ሰላማዊ ብዝኾነን መልክዑ ባህላዊ ክብሩ ሓልዩ ንክዛዘም ንዝገበሩ ኣካላት ኩሎም ብፍላይ ድማ ነበርቲ እታ ከተማ ምስጋና ኣቕሪበን።




 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም