በዓል ኢሬቻ ሆረ ፊንፊኔ ብድሙቕ ተኸቢሩን ተዛዚሙን - ኢዜአ ትግርኛ
በዓል ኢሬቻ ሆረ ፊንፊኔ ብድሙቕ ተኸቢሩን ተዛዚሙን
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 24/2018(ኢዜኣ) ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተኸበረ በዓል ኢሬቻ ሆረ ፊንፊኔ ብድሙቕ ተኸቢሩ ከምዝተዛዘመ ፖሊስ ኣፍሊጡ።
ብርክት ዝበሉ ዕዱማት፣ዝተፈላለዩ ብሄርንብሄረሰባትን፣ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ዜጋታት ወፃኢ ሃገራትን ቱሩስትታትን ኣብ ዝተረኸብሉ"ኢሬቻ ንምስርራእ ሃገር"ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተኸበረ በዓል ኢሬቻ ሆረ ፊንፊኔ ብሰላም ምዝዛሙ ላዕለዋይ መምርሒ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ።