ልምዓት ኮሪደር ሓዊሱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ልምዓት ንበዓል ኢሬቻ ፍሉይ ድምቀት ኮይኖም እዮም

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 24/2018(ኢዜኣ) ልምዓት ኮሪደር ሓዊሱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ልምዓት ንበዓል ኢሬቻ ፍሉይ ድምቀት ምዃኖም ተሳተፍቲ እቲ በዓል ተዛሪቦም።
በዓል ኢሬቻ ሆረ ፊንፊኔ “ኢሬቻ ንምንስርራእ ሃገር”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ባህላዊ ክብሩ ብዝሓለወ መልክዑ ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ዝተረኸበሉ ብድሙቕ እናተኸበረ እዩ ዝርከብ።




ንኢዜኣ ሪኢተኦም ዝሃቡ ተሳተፍቲ እቲ በዓል፤ ኣከባብራ በዓል ኢሬቻ  እዚ ዓመት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብልምዓት ኮሪደር ዝፀበቐትሉ ምዃኑ ፍሉይ ከምዝገብሮ ሓቢሮም።
ኢሬቻ ናይ ምስጋና፣ሰላም፣ይቕሬታ፣ሓድነትን ሕውነትን በዓል ከምኡ እውን ሓድነትን ምትእስሳርን ህዝብታት ብዝበለፀ ዝጠናኸረሉ በዓል እዩ ኢሎም።




በዓል ኢሬቻ ሆረ ሀርሰዲ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ “ኢሬቻ ንምንስርራእ ሃገር”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ፅባሕ ሰንበት ክኽበር እዩ።
እቲ በዓል ስዒቡ ፀገም ትራንስፖርት ከይፍጠር ምስ ኤጀንሲ ትራንስፖርት ክልል ኦሮሚያ፣ቢሮ ትራንስፖርት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ፐብሊክ ሰርቪስን ከምኡ እውን ትራንስፖርት ባቡር ኢትዮ-ጂቡቲ ብምውዳድ ምድላው ተገይሩ እዩ። 
ብፍላይ ድማ ንኣከባብራ በዓል ኢሬቻ ሆረ ሀርሰዲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ቢሾፍቱ ንዝኸዱ ተሳተፍቲ እቲ በዓል ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከቡ 6 መናሃርያታት እኹል ኣገልግሎት ትራንስፖርት ተዳሊዉ እዩ።
ብተወሳኺ እውን ካብ መስመር ለቡ ክሳብ ቢሺፍቱ ተሳተፍቲ እቲ በዓል ዘብፅሕ ባቡር ዝተዳለወ እንትኸውን ትራንስፖርት ፐብሊክ ሰርቪስ እውን ናብቲ ባቡር ንምብፃሕ ልዕሊ 50 ተሽከርከርቲ ከምዝመደበ ተፈሊጡ።

 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም