መንግሥቲ ቃል ብተግባር ብምግላፅ ጉዕዞ ምንስርራእ ኢትዮጵያ እናዕወተ እዩ-ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግሥቲ

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 23/2018(ኢዜኣ) መንግሥቲ ቃል ብተግባር ብምግላፅ ጉዕዞ ምንስርራእ ኢትዮጵያ እናዕወተ እዩ ክብል ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግሥቲ ገሊፁ።
እቲ ኣገልግሎት ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፤ መንግሥቲ እቲ ለውጢ ጋህዲ ካብ ዝኸውን ጀሚሩ ዝኣተዎም ቃላት እናፈፀመ፣ኢትዮጵያ ናብ ዝግበኣ ብራኸ ንምውፃእ ጉዕዞ ብልፅግናኣ እናድመቐ ምቕፃሉ ሓቢሩ።

ሙሉእ መልእኽቲ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግሥቲ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፡-

መንግስቲ ቃል ብተግባር ብምግላፅ ጉዕዞ ብራኸ ኢትዮጵያ እናዕወተ ይርከብ፡፡
መንግሥት እቲ ለውጢ ጋህዲ ካብ ዝኸውን ጀሚሩ ዝኣተዎም ቃላት እናፈፀመ፣ኢትዮጵያ ናብ ዝግበኣ ብራኸ ንምውፃእ ጉዕዞ ብልፅግናኣ እናድመቐ ቀፂሉ እዩ።
ቅድሚ ዓመታት ኣብ 2018 ዓ/ም ካብ ተስፋ ብርሃን ናብ ዝጭበጥ ብርሃን ስግግር ክንገብር ኢና ዝብል ራኢ ዝሓዘ ቃል መንግስቲ ፌዴሪኢ ቃሉ ብተግባር እናገለፀ እዩ ዝርከብ፡፡
ሉኣላዊነት ምግብና ንምርግጋፅ ብዙሕ ርሕቐት ተጓዒዝና፤ ብሕርሻ ክረምቲ፣ትሩፋት ሌማት፣ሓምለዋይ ኣሰርን መስኖ ስርናይ ሓጋይን ብምድጋፍ ሰፋሕቲ ዓወታት ተመዝጊቦም እዮም፡፡
ምስሊ ከተማታትና ንምቕያር ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ልዕሊ 70 ከተማታት ምስለን ኣዝዩ ተለዊጡ እዩ፡፡ እተን ከተማታት ስርዓት ኣተኣላልያ ፈሳሲ፣ኣጠቓቕማ መንገዲ እግረኛን ተሽከርከርትን፤ ከም ማይ፣ስልኪ፣ኤሌክትሪክን መሰል ኣገልግሎታትን ዝበሉ መስመራት ዝርገሐ ኣብ ስራሕቲ ኮሪደር ከተማታት ኣዝዮም ንክምዕብሉ ተገይሩ እዩ እናተገበረ እውን ይርከብ፡፡
ስርዓትን ኣተሓሳስባን ስነ ንፅህና ኣዝዩ እናተመሓየሸ መፂኡ እዩ። ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ከተማታትና መርኣያ ኣፍሪካ ንምግባር እናተሰርሐ እዩ።
ብመዳይ ቀረብ ተሓዳሲ ሓይሊ ንምዕዋት ዝተቐመጠ ሽቶ ዓብይ ለውጢ ተረኽ ብዝፈጠረ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ጋህዲ ኮይኑ እዩ። ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ንኣፍሪካን ካሊእ ዓለምን ብዘይ ደጋዊ ደገፍ ስባር ሳንቲም ብሓባር ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ምዕዋት ከምዝከኣል ሕዳሰ ግድብ ትእምርትና እዩ።
ኣብ ምረቓ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ክቡር ቀዳማይ ሚኒስትርና ካልኦት ዝዓበዩ ፕሮጀክትታት ከምዝጅመሩ፣ኣብ ምዝዛም ዝነበሩ እውን ከምዝምረቑ ቃል ምእታዎም ዝዝከር እዩ።
እነሆ ጉዕዞ ምንስርራእ ኢትዮጵያ ዘቀላጥፉ ከም መፍረዪ ጋዝ ተፈጥሮ ዝበሉ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ተመሪቖም፤ ካብቲ ዝተመረቐ ብብዙሕ ዕፅፊ ፕሮጀክት ተበሲሩ፤ ህንፀት ፕሮጀክትታት ፋብሪካ መፃረዪ ነዳድን ፋብሪካ መዳበሪያን ተጀሚሮም። 
ኢትዮጵያ ሓይሊ ኑክሊየር ንሰላማዊ ልምዓት ንምጥቃም ስምምዓት ተፈራሪማ፤ ካብ ዓለም ለኸ ትካላት እውን ኣፍልጦ ተወሃባ፣ እዚኦም ኩሎም ቃል ብተግባር ናይ ምልዋጥ ልምዲ ዝወለዶም፤ እምነት ህዝብን ዓለም ለኸ ትካላትን ምርካብ ዝተኽኣለሎም ውፅኢታት ፃዕሪ መንግሥቲ እዮም።
መንግሥትና ሕዚ እውን ብዝተመዝገቡ ዓወታት ዓጊቡ ዝድቅስ መንግሥቲ ኣይኮነን። ጉዐዞ ብልፅግና ኢትዮጵያ እናዕወተ ሓደሽቲ ድሌታት እናዋለደ ንዝለዓለ ብልፅግና ምትግሁ ክቕፅል እዩ።
ብመሰረት ንወለዶ ምንዳ እምበር ዕዳ ኣይነውርስን ዝበሎ ብሓባራዊ ፃዕሪ ደቃ ዝበልፀገትን ብመርኣያነት እትግለፅን ኢትዮጵያ ናይ ምህናፅ ፃዕሪ ብዝለዓለ ፈጠራ፣ቅልጣፈን ትግሃትን ክቕፅል እዩ።
ኢትዮጵያ ሓዳሽ ኣድማስ ተስፋ!

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም