ኢትዮጵያ ኣብ ሰብኣዊ ልምዓት ጠመተ ዝገበሩ ውፅኢታዊ ስራሕቲ እናሳለጠት እያ-ሚኒስትር ኣህመድ ሽዴ

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 22/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ሰብኣዊ ልምዓት ጠመተ ዝገበሩ ውፅኢታዊ ስራሕቲ እናሳለጠት ከምዝኾነት ሚኒስትር ገንዘበ ኣህመድ ሽዴ ገሊፆም።
መንግስቲ ኢትዮጵያን ባንኪ ዓለምን ብሓባር ዘዳለውዎ ፎረም ሓይሊ ሰብ ኢትዮጵያ 2025 ኣባላት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን መራሕቲ ዓለም ለኸ ትካላትን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ይካየድ ኣሎ።
እቲ ፎረም፤ ሎሚ ሓዊሱ ንክልተ መዓልትታት ዝፀንሕ እንትኸውን "ክእለታትና ምህናፅ፣ስራሕቲ ምቅልጣፍ፣ ልምዓት ምቅልጣፍ" ኣብ ትሕቲ ዝል መሪሕ ሓሳብ እዩ እናተሳለጠ ዝርከብ።




ሚኒስትር ገንዘብ ኣህመድ ሽዴ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሰብኣዊ ልምዓት ብትኹረት ስለዝተሰርሐ ውፅኢታት ተመዝጊቦም እዮም።
እቲ ሓፈሻዊ ኣመለኻኽታ ዕቤት ብልፅግና ኩለ መዳያዊ ብልፅግና ጋህዲ ምግባር ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ምርግጋፅ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት፣ጠንካራ ሃገረ መንግስቲ ምህናፅ፣ማሕበራዊ ልምዓት ብፍላይ ድማ ሰብኣዊ ልምዓት ኣብ ምዕባይ ትኹረት ተዋሂቡ እናተሰርሐ እዩ ኢሎም።
ንትምህርት፣ንጥዕና፣ውሕስና ማሕበራዊ ሓለዋን ፈጠራ ዕድል ስራሕን ሰፊሕ ትኹረት ተዋሂቡ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፤  እዞም ስራሕቲ ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ እውን ፀሪሖም።
ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ ልምዓት ትኹረት ብምግባር ውፅኢታዊ ስራሕቲ እንተሳሊጠን ንኢኮኖሚያዊ ዕቤተን ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘበርክት ዓለም ለኸ ተሞኩሮ ከምዝሕብር ኣረዲኦም።
ኣብ ኢትዮጵያ ኩለ መዳያዊ ብልፅግና ንምርግጋፅ ኣብ ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ባንኪ ዓለም ኣብ ኩሎም ዓውድታት ደገፍ መዋእለ ንዋይን ቴክኒክን ብምቕራብ መሓዛ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም