ኣብ ክልል ሶማሌ ካሉብ ኣብ ዓመት 111 ሚሊዮን ሊትር ምፍራይ ዝኽእል ፕሮጀክት ፈሳሲ ተፈጥሮ ጋዝ ኦጋዴን ፈላማይ ዙር መሪቕና-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 22/2018(ኢዜኣ) ኣብ ክልል ሶማሌ ካሉብ ኣብ ዓመት 111 ሚሊዮን ሊትር ምፍራይ ዝኽእል ፕሮጀክት ፈሳሲ ተፈጥሮ ጋዝ ኦጋዴን ፈላማይ ዙር መሪቕና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣፍሊጦም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ።ትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኣብ ክልል ሶማሌ ካሉብ ኣብ ዓመት 111 ሚሊዮን ሊትር ምፍራይ ዝኽእል ፕሮጀክት ፈሳሲ ተፈጥሮ ጋዝ ኦጋዴን ፈላማይ ዙር መሪቕና ኢሎ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ዓመት 1.33 ቢሊዮን ሊትር ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ዘለዎ ካልኣይ ዙር ምጅማሮም ገሊፆም። 
ካብ ምህርቲ ፈሳሲ ተፈጥሮ ጋዝ ብተወሳኺ ኣብ ዓውዲ ምፍልፋል ሓይሊ እውን 1000 ሜጋ ዋት ናይ ምፍልፋል ዓቕሚ ብምሓዝ ልዑል ኣስተዋጽኦ ክህልዎ እዩ ኢሎም። 
ካብ ኩሉ ንላዕሊ እቲ ፕሮጀክት መምረቲ ጋዝ ጥራሕ ኣይኮነን። ንመፍረዪ ማዳበሪያ እውን ኣገዳሲ ዝኾነ እታዎት ብምቕራብ ልኣላውነት ምግቢ ንምርግጋፅ ኣብ እንገብሮ ፃዕሪ ዓብይ እጃም ክህልዎ  ክብሉ ገሊፆም።
ንመፈልፈሊ ሓይልን ንስራሕቲ ክሪፕቶ-ማይኒንግን  ኣድለይቲ ዝኾኑ እታዎታት ከቕርበልና እዩ ክብሉ እውን እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ፀሪሖም። 
ሎሚ መዓልቲ ኣብ ክልል ሶማሌ ዝጀመርናዮም ምስ ህንፀት ተዛመድቲ መሰረተ ልምዓት ብሓፈሻ  ናብ 10 ቢሊዮን ዶላር ዋጋ ዘለዎም ሜጋ ፕሮጀክትታት ብግቡእ ክትትል ክሳብ መዛዘሚኦም ክበፅሑ እዮም ኢሎም። 
ዝጀመርናዮ ንምዝዛም ኩሉ ግዜ ብፅንዓት ከምዝሰራሕናዮ ኩሉ ተዛዚሞም ንኣገልግሎት ክበቕዑ እዮም ኢሎም።





 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም