ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) እምነ ኩርናዕ ፋብሪካ ህንፀት ዩሪያ ማዳበሪያን ፋብሪካ ጎዴ መፃረይ ነዳድን ኣቐሚጦም - ኢዜአ ትግርኛ
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) እምነ ኩርናዕ ፋብሪካ ህንፀት ዩሪያ ማዳበሪያን ፋብሪካ ጎዴ መፃረይ ነዳድን ኣቐሚጦም

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም /22/2018 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) እምነ ኩርናዕ ፋብሪካ ህንፀት ዩሪያ ማዳበሪያን ፋብሪካ ጎዴ መፃረይ ነዳድን ሎሚ ኣቐሚጦም ።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሎሚ ንኩሎም ኢትዮጵያውያን ታሪኻዊ ፍፃመ ተኻይዱ። ናይ ኽልተ ፕሮጀክትታት እምነ ኩርናዕ ኣንቢርና ኣለና ኢሎም። ሆልዲንግ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ግሩፕ ምስ ዳንጎቴ ብምትሕብባር ዝህነፅ ፋብሪካ ዘመናዊ ዱክዒን ብጎልደን ኮንኮርድ ግሩፕ ዝህነፅ ፋብሪካ መፃረዪ ነዳዲ ጎዴን እምነ ኩርናዕ ምንባሮም ሓቢሮም።
መፃረዪ ነዳዲ ጎዴ ካብ ነዳዲ ሂላል ድፍድፍ ነዳዲ ብምውፃእ፣ብምፅራይን ብምኽዛንን ኣብ ዓመት 3.5 ሚሊየን ቶን ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ኣለዎ ኢሎም። ብኻሊእ ገፅ ድማ ካብ ሜዳ ፋብሪካ ካሉብ ጋዝ ብምውፃእን 108 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ መጉዓዓዚ ትቦ ብምጥቃም ኣብ ዓመት 3 ሚሊየን ቶን ኣፍርዩ ከምዘቕርብ ፀሪሖም።
እዞም ፕሮጀክትታት ኢንዱስትሪ ዕብየት ኢንዱስትሪ ካብ ምርኣይ ንላዕሊ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ዕድላትና ብምጥቃም፣ ምትሕብባር ንምጥንኻርን ሰላም ንምሕላውን ናይ ሓባር ሓላፍነትና ዘርእዩ እዮም ኢሎም።
ብምዃኑ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ብሕብረትን ብሓድነትን ንዕብየት ምትእኽኻብና ኣጠናኺርና ክንቅፅለሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
እዙይ እንትንገብር ድማ ሓቀኛ መንፈስ ኢትዮጵያዊ መንነት ብዘኽብር መንገዲ ኢትዮጵያ ኣብ መድረኽ ዓለም ዘለዋ ቦታ ክነበርኾ ኢና ክብሉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።