ክልል ሶማሌ ሓደሽቲ ዕድላት ቱሪዝም እናኸፈተ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ክልል ሶማሌ ሓደሽቲ ዕድላት ቱሪዝም እናኸፈተ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 21/2018(ኢዜኣ) ክልል ሶማሌ ሓደሽቲ ዕድላት ቱሪዝም እናኸፈተ ከምዝርከብ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ “ሎሚ ዝረኣናያ ጂግጂጋ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ምስ ዝረኣናያ ትሕዝቶኣ ብዝረአ መልክዑ ተቐይራ እያ” ኢሎም።
ኣብ መላእ እታ ከተማ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሓድሽቲ መንበሪ ኣባይቲ እናተሃነፁ ከምዝኾኑ ብምሕባር፤ ብፕሮጀክትታት ልምዓት ኮሪደር ኣብ ኩሎም ከባብታት ኩነታት መንበሪ ምምሕያሾም ገሊፆም።
ማእኸላት ከተማታትና እንትነማዕብል እንሃንፆ ንሎሚ ጥራሕ ዘይኮነስ ንፅባሕ እውን ሰረት እናንበርና ምዃኑ ምርዳእ ይግባእ ኢሎም።
ራኢና ከም ኢትዮጵያውን ኣፍሪካውን ጠቐምቲ ኣብ ዝኾኑ ጉዳያት ዝተተኸለ ምዃኑ ምዝካር ይግበኣና ክብሉ እውን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
በዚ መንፈስ ክልል ሶማሌ ሓደሽቲ ዕድላት ቱሪዝም እናኸፈተ ከምዝርከብ ኣረዲኦም።
ናብ መዛዘሚ ምዕራፍ ዝበፅሐ ፕሮጀክት'ገበታ ለሃገር’ ንምብራቓዊ ክፋል ሃገርና ሓዱሽ ዋጋ ዝወሰኸ ዕድል እናፈጠረ እዩ ኢሎም።
ብሓፈሻ እውን እቲ ዝተዓዘብናዮ ዕቤት ስራሕ ኣብ ጂግጂጋን መላእ እቲ ክልልን ዝረአ ምንቕቓሕ ዝገልፅ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።