ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ውድድር ብስክሌት ክተተኣናግድ እያ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ውድድር ብስክሌት ክተተኣናግድ እያ

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 21/2018(ኢዜኣ) ዓለም ለኸ ውድድር ብስክሌት ኣብ ጎቦ ከተማ (City Mountain Bike Race) ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝካየድ ፌዴሬሽን ብስክሌት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
እቲ ውድድር ካብ 20 ክሳብ 22 መጋቢት 2018 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክሳለጥ እዩ።
ፌዴሬሽን ብስክሌት ኢትዮጵያ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ሩዋንዳ ኪጋሉ ኣብ ዝተኻየደ መበል 98 ሻምፒዮና ብስክሌት ዓለም ዝነበራ ተሳትፎን ቀፀልቲ ስራሕትን ኣመልኪቱ ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቡ።
ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ብስክሌት ኢትዮጵያን ኣባል ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፌዴሬሽን ብስክሌት ኣፍሪካን ኣይተ ወንድሙ ሃይሌ፤ እቲ ዓለም ለኸ ውድድር ብስክሌት ኣብ ኣፍሪካ ንፈለማ እዋን እዩ ክካየድ ኢሎም።
ኣብቲ ውድድር ካብ 25 ሃገራት ዝተውፃእፅኡ ልዕሊ 110 ብስክሌተኛታት ከምዝሳተፉ ትፅቢት ከምዝግበር ብምግላፅ፤ ተሳተፍቲ ሃገራት ሰሜን ኣሜሪካን ኣውሮፓን እውን ከምዝርከብዎ ሓቢሮም።
እቲ ውድድር ኣብ ውሽጢ መርሃ ግብሪ ውድድር ዓለም ለኸ ሕብረት ብስክሌት (UCI) ዝተኻተተን ኣፍልጦ ዘለዎን ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ እቲ ውድድር ንምድላው ዘኽእል ምድላው ከምዝጀመረትን መንግስቲ ንድልውነቱ ኣድላይ ደገፍ ከምዝገብርን ኣረዲኦም።
እቲ ዓለም ለኸ ውድድር ኣብ ኢትዮጵያ ምግባሩ እታ ሃገር ብብርኪ ኣፍሪካ ኣብ ስፖርት ብስክሌት ተመዝግቦ ንዘላ ዝነኣድ ውፅኢት መርኣያ እዩ እውን ኢሎም።