ሙሁራን ፀገም ፈታሕቲ ስራሕቲ መፅናዕትን ምርምርን ብምስላጥ ንዕቤት ሃገር ዘለዎም እጃም ከጠርናኽሩ ይግባእ-ፕሮፌሰር ብርሀኑ ነጋ - ኢዜአ ትግርኛ
ሙሁራን ፀገም ፈታሕቲ ስራሕቲ መፅናዕትን ምርምርን ብምስላጥ ንዕቤት ሃገር ዘለዎም እጃም ከጠርናኽሩ ይግባእ-ፕሮፌሰር ብርሀኑ ነጋ
ሀዋሳ/መስከረም 19/2018 (ኢዜኣ) ሙሁራን ፀገም ፈታሕቲ ስራሕቲ መፅናዕትን ምርምርን ብምስላጥ ንዕቤት ሃገር ዘለዎም እጃም ከጠናኽሩ ከምዝግባእ ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሀኑ ነጋ ገሊፆም።
ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ምስ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ትካል መፅናዕቲ ምርምር ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ዘዳለውዎ መበል 22 ዓለም ለኸ ዓውደ መፅናዕቲ ምርምር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ይሳለጥ ኣሎ።
ኣብቲ ዓውደ መፅናዕቲ መኽፈቲ መደረ ዘስምዑ ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሀኑ ነጋ ከምዝበልዎ፤ ለውጢ ሃገር ንምቕፃልን ፀገማት እቲ ሕብረትርሰብ ብቕልጡፍን ብዘላቕነትን ንምፍታሕን ሙሁራን ስራሕቲ ምርምሮም ከጠናኽሩ ይግባእ ኢሎም።
ኣብ ልዕሊ ሃገር ዘነፃፀሩ ኣሉታዊ ሓበሬታታት ማሕበራዊ ሚድያ ብምፅራይ ንህንፀት ሃገር መሰረት ዘንብሩ እታዎት ፖሊሲ ብመፅናዕቲ ኣብ ምውፃእ እውን ሙሁራን ጠንኪሮም ንክሰርሑ ኣተሓሳሲቦም።
በቢ 3 ዓመት ዝሳለጡ ዓውደ መፅናዕትታት ምርምር ኣብዚ ሕዚ እዋን ዓለም ትኸዶ ምስ ዘላ ፍጥነት ንኢትዮጵያ ማዕረ ከጓዕዛ ብዘይምኽኣሉ ዓውደ መፅናዕትታት ምርምር በቢዓመቱ ምግባር ከምዝግባእ ተዛሪቦም።
ተጠባባቒ ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ችሮታው ኣየለ (ዶ/ር) ብግደኦም፤ ኣብዚ ናይ ሎሚ መዓልቲ ዓለም ለኸ ዓውደ መፅናዕቲ ምርምር ዝቐርቡ ውፅኢታት ምርምር ንዕቤት ሃገር እታዎት ፖሊሲ ዘገልግሉ እዮም ኢሎም።
እቲ ዓውደ መፅናዕቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ምክያዱ ነቲ ዩኒቨርሲትን ነታ ከተማን ዓብይ ዕድል ሒዙ ከምዝመፅእ እውን ተዛሪቦም።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዳይሬክተር ትካል መፅናዕትን ምርምርን ኢትዮጵያ ዮሀንስ ኣድገ (ዶ/ር)፤ እቲ ዓለም ለኸ ዓውደ መፅናዕቲ ካብ ዝምስረት 60 ዓመታት ከምዘቑፀረን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት እናተኻየደ ከምዝፀንሐን ኣረዲኦም።
እቲ ዓውደ መፅናዕቲ ኣብ ኢትዮጵያ በቢ ሰለስተ ዓመት እናተኻየደ ከምዝፀንሐ ብምግላፅ፤ ንመውፃእትን ፈፀምትን ፖሊሲ ብርክት ዝበሉ ጠቐምቲ እታዎታት ከምዝተረኸበሉ እውን ሓቢሮም።
እቲ ዓውደ መፅናዕቲ ንቀፃሊ ተኸታተልቲ መዓልትታት ዝካየድ እንትኸውን ኣብቲ መድረኽ እውን ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ መፅናዕትን ምርምርን ከምዝቐርቡ ፀሪሖም።
ኣብቲ ዓውደ መፅናዕቲ፤ ምክትል ርእሰ ምምሕዳርን ሓላፊ ቢሮ ትምህርትን ክልል ሲዳማ ኣይተ በየነ በራሳ፣ከንቲባ ከተማ ሃዋሳ፣ተወከልቲ ኤምባሲታት ጀርመንን ፈረንሳይን ከምኡ እውን ኣብ ዝተፈላለያ ኣህጉራት ካብ ዝርከቡ ዩኒቨርሲቲታት ዝተውፃእፅኡ ተመራመርቲ ይሳተፉ ኣለዉ።