ኢትዮጵያ ኣብ ቴክኖሎጂ ኒውክለር ምስ ሩሲያ ዘለዋ ምሕዝነት ብምጥንኻር መርኣያ ኣፍሪካ ንምዃን ድልውቲ እያ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ኣብ ቴክኖሎጂ ኒውክለር ምስ ሩሲያ ዘለዋ ምሕዝነት ብምጥንኻር መርኣያ ኣፍሪካ ንምዃን ድልውቲ እያ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 15/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ቴክኖሎጂ ኒውክለር ምስ ሩሲያ ዘለዋ ምሕዝነት ብምጥንኻር መርኣያ ኣፍሪካ ንምዃን ድልውቲ እያ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ሩሲያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ቅነ ኣቶሚክ ዓለም ተረኺቦም መደረ ኣስሚዖም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዚ እዋን፤ ኢትዮጵያ ኣብ ወሳኒ እዋን እያ ትርከብ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ዝሰርሑን ዓቕሚ ዘለዎምን መናእሰይ ከምዘለውዋ ብምግላፅ፤ ከተማታት እናማዕበሉን ኢንዱስትሪታት እናዕበዩን ከምዝኾኑ ሓቢሮም።
ስለዝኾነ እውን ኢትዮጵያ ኢኮኖሚአ ብቕልጡፍ እናዓበየ ካብ ዘለዋ ሃገራት እታ ሓንቲ እያ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ብርክት ዝበሉ ትልምታት ከምዘለውዋ ብምሕባር፤ እቶም ትልምታት ዘተኣማምን፣ንፁህን ቀፃልነት ዘለዎን ቀረብ ሓይሊ ዝሓቱ ከምዝኾኑ ኣፍሊጦም።
ሓይሊ ማይ፣ፀሓይን ንፋስን ጥራሕ እናተጠቐመት ንቀፃሊ በቲ ዝሓሰብናዮ መጠን ክንዓቢ ኣይንኽእልን ኢሎም።
ኢትዮጵያ ልዕሊ 10 ዓመታት ኣብ ሓምለዋይ ልምዓት መሪሕ ኮይና እያ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣብ ኣፍሪካ እቲ ዝዓበየ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ምልክት ቆራፅነትና እዩ ክብሉ እውን ሓቢሮም።
ራኢና ልዕሊ እዚ እዩ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ ቴክኖሎጂ ኒውክለር ዘተኣማምን ሓይሊ ንምፍጣርን ንጠንካራ ድሕንነትን ከምኡ እውን ኣጠቓቕማ ማይ ምችው ንምግባር ኣድላይ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ንኢትዮጵያ ኒውክለር ጉዳይ ሓይሊ ጥራሕ ከምዘይኮነ ብምግላፅ፤ ንተምሃሮ ፍልጠት፣ንመፍረያይነት ሓረስቶት ከምኡ እውን ንሕሙማት ፈውሲ ዝህብ እዩ ኢሎም።
ሓይሊ ኒውክለር ብጥንቃቐ ብምትላምን ኣብ ረብሓ ብምውዓልን ጠንካራ ዓቕሚ ውሽጢ ሃገር ብምፍጣር ንሰላማዊ ዕላማ ንምጥቃም ከዝተተለመ ኣብራህሪሆም።
ሓይሊ ኒውክለር ኣብ ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ፣ ኢንዱስትሪን ፈጠራ ቴክኖሎጂን ጠንካራ ተሳትፎ ንምግባር ይሕግዝና እዩ ክብሉ እውን ተዛሪቦም።
ኣብዚ ዓመት 80 ዓመቱ ዘኽብር ኢንዱስትሪ ኒውክለር ሩሲያ ዝነኣድ ከምዝኾነ ብምዝራብ፤ ሳይንስ ምስ ራኢ እንትጣመር እንታይ ክሰርሕ ከምዝኽእል ሩሲያ ንዓለም ኣርእያ እያ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ምስ ሩሲያ ዘለዋ ምሕዝነት ንምጥንኻር ድልውቲ ከምዝኾነት እውን ፅሪሖም።
ተመራመርቲ እቲ ዓውዲ ሩሲያ ምስ ሙሁር ሓይሊ ሰብ ኢትዮጵያ ብምጥማር መርኣያ ዝኸውን ምትሕብባር ብምፍጣር ንህዝቢ ዝጠቅምን ንኣፍሪካ መርኣያ ዝኸውንን ቴክኖሎጂ ኒውክለር ንምህናፅ ከምዝተተለመ ኣረዲኦም።
ነዚ ድማ ኢትጵጵያ ጭቡጥ ስራሕቲ ምስራሕ ከምዝጀመረት ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ማእኸል ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኒውክለር ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝጣየሽ ኣልዒሎም።
ስለዝኾነ እውን ኣብ ምትእምማንን ፍልጠትን መሰረት ዝገበረ ምትሕብባር ብምግባርን ፈተናታት ናብ ሰናይ ዕድል ብምውሳድን ሓባራዊ ሕልምና ናብ ውፅኢት ምቕያር ንኽእል ኢና ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)።