ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያውያን ናይ ምልማዕ ወነኦም ዝተዋፅእሉ ዓብይ ኣሰር ታሪኽ እዩ

 




ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 15/2018(ኢዜኣ) ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያውያን ናይ ምልማዕ ወነኦም ዝተዋፅእሉ ዓብይ ኣሰር ታሪኽ ከምዝኾነ ሚኒስትር ዲኤታ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ተስፋሁን ጎበዛይ ገሊፆም።


ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ “ብርሃን ፈንጣቂው ዓባይ” ዝተብሃለ መፅሓፍ ሎሚ ኣመሪቑ።


ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምረቓ፤ ምክትል ኣካቢት ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ዲሞክራሲ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣዝመራ ኣንዴሞ፣ሚኒስትር ዲኤታ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ተስፋሁን ጎበዛይ፣ዋና ፈፃሚ ስራሕ ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ መሳፍንት ተፈራ ከምኡ እውን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ተረኺቢም።


መፅሓፍ “ብርሃን ፈንጣቂው ዓባይ” ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ካብ መጀመርያ ክሳብ ምምራቕ ኩርዓት ሃገር ምዃኑ ዝድህስስ እዩ።


ሚኒስትር ዲኤታ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ተስፋሁን ጎበዛይ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያውያን ናይ ምልማዕ ወነኦም ዝተዋፅእሉ ዓብይ ኣሰር ታሪኽ እዩ።


ዋና ፈፃሚ ስራሕ ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ መሳፍንት ተፈራ ብግደኦም፤ 4 ጳጉሜን 2017 ዓ/ም ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ዝተመረቐሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ለውጢ ተረኽ ዝተገበረሉ ሞዕራፍ እውን እዩ ኢሎም።


ኢትዮጵያውያን ምስ ኣባይ ዘለዎም ምትእስሳር ምፍላጥ ንዝደሊ ምላሽ ዝህብን ንስራሕቲ መፅናዕትን ምርምርን እውን ከም እታዎት ዘገልግልን ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም