ምዝዛም ህንፀት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ስዒቡ ብሸለልትነት መተሓባበርትን ኣመራርሓን ክልልና ሓጎስና ብዘይምግላፅና ሓዚንና ኢና-ነበርቲ ከተማ መቐለ - ኢዜአ ትግርኛ
ምዝዛም ህንፀት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ስዒቡ ብሸለልትነት መተሓባበርትን ኣመራርሓን ክልልና ሓጎስና ብዘይምግላፅና ሓዚንና ኢና-ነበርቲ ከተማ መቐለ

መቐለ/መስከረም 15/2018(ኢዜኣ) ምዝዛም ህንፀት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ስዒቡ ብሸለልትነት መተሓባበርትን ኣመራርሓን ክልልና ሓጎስና ብዘይምግላፅና ሓዚንና ኢና ክብሉ ኢዜኣ ዘዘራረቦም ነበርቲ ከተማ መቐለ ገሊፆም።
ህንፀት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ንዓወት ንክበቅዕ ኢትዮጵያውያን ብገንዘቦም፣ጉልበቶምን ፍልጠቶምን ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ገይሮም እዮም።
ድሕሪ ናይ 14 ዓመታት ከይዲ ህንፀት እንትዛዘም እውን ኣብ ኩሎም ከባብታት ኢትዮጵያ ህዝቢ ናብ ኣደባባይ ብምውፃእ ሓጎሱ ገሊፁ።
ኣብ ኩሎም ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ህዝቢ ሓጎሱ ወፂኡ እንትገልፅ ከም ካልኦት ኩሎም ንምዝዛም እቲ ግድብ ኣስተዋፅኦ ዝነበሮ ህዝቢ ትግራይ ሓጎሱ ወፂኡ ንከይገልፅ ንምንታይ ተገይሩ?
ኢዜኣ ካብ ዘዘራረቦ ነበርቲ ከተማ መቐለ ኣይተ ገብረ ስላሴ ሓለፎምን ኣይተ ኣለማየሁ ኣብርሃን፤ ህንፀት እቲ ግድብ ተዛዚሙ ንምረቓ ብምብቅዑ ከምዝተሓጎሱ ገሊፆም።
ኣብ ኩሎም ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ዜጋታት ሓጎሶም ዝገለፁ እንትኸውን ኣብ ክልል ትግራይ ግና ብሸለልትነት መተሓባበርትን ኣመራርሓን ሓጎሶም ብዘይምግላፆም ከምዝሓዘኑ ተዛሪቦም።
ኣይተ ገብረ ስላሴ ''ህዝቢ ትግራይ ሰራሕተኛ መንግስቲ ይኹን ሓረስታይ ቦንድ ብምግዛእ እቲ ህንፀት ክሳብ ዝዛዘም ኣስተዋፅኦ ገይሩ እዩ፤ ከም ካልኦት ከባብታት ኩሉ ኣብ ትግራይ እውን እቲ ህዝቢ ወፂኡ ሓጎሱ ክገልፅ ኔርዎ''ኢሎም።
“ህንፀት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ተዛዚሙ ንምረቓ ብምብቅዑ ወፂእና ሓጎስና ክንገልፅ ይግባእ ኔሩ፤ እንትምረቕ እውን ልዑል ሓጎስ እዩ ተሰሚዑና” ዝበሉ ድማ ኣይተ ኣለማዮሁ እዮም።
ካልኦት ነበርቲ እታ ከተማ ኣይተ ሃይለስላሴ በየነ፣ ኤፍሬም መውጫን ክንደያ በርሀን ብግደኦም፤ ህንፀት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ንምረቓ ብምብቅዑ ከምዝተሓጎሱ ሓቢሮም።
ብሕብረ ብሄራዊ ሓድነት፣ብምትሕብባርን ፅንዓትን ብሓባር ምስራሕ እንተተኻኢሉ ዘይከኣልን ዘይፍፀምን ፕሮጀክት ከምዘየለ ብተግባር ዘርኣናሉ እዩ እውን ኢሎም።
ስለዝኾነ እውን ኣብ ህንፀት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ዘርኣናዮ ምትሕብባር ብምጥንኻርን ካልኦት ዓበይቲ ሃገራዊ ፕሮጀክትታት ንምዕዋትን ክንዳለው ኣለና ክብሉ ገሊፆም።
ኣብዚ ጉዳይ መልሲ ንምርካብ ኢዜኣ ንሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፕሮጀክት ምትሕብባር ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ጨንፈር ትግራይ ኣይተ ገብረሚካኤል መለስ መብራህርሂ ንክህቡ ዝሓተቶም እንትኸውን፤ “ምዝዛም ህንፀት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ስዒቡ መግለፂ ሓጎስ ህዝቢ ትግራይ ብቤት ፅሕፈት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ስለዝተውሃበ ካብዚ ንላዕሊ ዝብሎ ነገር የብለይን”ክብሉ እቶም ሓላፊ ተዛሪቦም።