ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ቅልጡፍ ኣገልግሎት ንምሃብን ብልሹው ኣሰራርሓ ንምክልኻልን ዝለዓለ ፋይዳ ኣለዎ-ርዕሰ ምምሕዳር እንዳሻው ጣሰው (ዶ/ር) 


ሆሳዕና/መስከረም 14/2015 (ኢዜኣ) ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ንህዝቢ ቅልጡፍ ኣገልግሎት ንምሃብን ብልሹው ኣሰራርሓ ንምክልኻልን ዝለዓለ ፋይዳ ከምዘለዎ ርዕሰ ምምሕዳር ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ እንዳሻው ጣሰው (ዶ/ር) ገሊጦም።


ርዕሰ ምምሕዳር ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ እንዳሻው ጣሰው (ዶ/ር) ኣብቲ ክልል ኣወሃህባ ኣገልግሎት ኣብ ምምዕባልን ቅልጡፍ ኣብ ምግባርን ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ኣመልኪቶም ምስ ኢዜኣ ፃንሒት ገይሮም።


ኣብ ፃንሒቶም እውን፤ ፀገማት ኣወሃህባ ኣገልግሎት ንምፍታሕ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ሓዊሱ ብዲጂታል ስርዓት ዝተደገፉ ስራሕቲ ትኹረት ከምዝተገበረሎም ሓቢሮም።


ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ስራሕ ንምጅማር ቅድሚ ሕዚ ምድላው ሓይሊ ሰብን ማእኸልን ተገይሩ ብምዝዛሙ ተግባራዊ ኣብ ምግባር ኢና ንርከብ ክብሉ ተዛሪቦም።


መሶብ ንህዝቢ ቅልጡፍ ኣገልግሎት ንምሃብን ብልሹው ኣሰራርሓ ንምክልኻልን ዝለዓለ ፋይዳ ከምዘለዎ እውን ኣረዲኦም።


ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ካብ ከተማ ሆሳዕና ብተወሳኺ ብመሰረት ኣወዳድብኡ ኣብ ከተማታት ክላስተር እውን ተግባራዊ ንምግባር ዘኽእል ምንቅስቓስ እናተገበረ እዩ ዝርከብ ኢሎም።


ኣወሃህባ ኣገልግሎት መንግስቲ ብዝበለፀ ቅልጡፍ፣ፍትሓውን ተሓታትነት ዝተረጋገፀሉን ናይ ምግባር ፃዕሪ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ሓቢሮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም