ኣብ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ትኹረት ዝተገበረሎም ዘፈራት ዝሓይሸ ምዕባለ ምጣነ ሃብታዊ ንኸምዝገብ በሪ ከፊቶም -ኣምባሳደር ግርማ ብሩ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ትኹረት ዝተገበረሎም ዘፈራት ዝሓይሸ ምዕባለ ምጣነ ሃብታዊ ንኸምዝገብ በሪ ከፊቶም -ኣምባሳደር ግርማ ብሩ

ኣዲስ ኣበባ/ መስከረም/13/ 2018 /ኢዜኣ/ ኣብ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ትኹረት ዝተገበረሎም ዘፈራት ዝሓይሸ ምዕባለ ምጣነ ሃብታዊ ንኸምዝገብ በሪ ከፊቶም ክብሉ ኣማኻሪ ማክሮ ኢኮኖሚ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣምባሳደር ግርማ ብሩ ገሊፆም፡፡
ኣምባሳደር ግርማ ብሩ ንኢዜኣ ከምዝገለፅዎ ኢትዮጵያ ተግባራዊ ዝገበረቶ ዝተማለአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ዘፈር ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ ሓዊሱ ኣብ ዓውዲታት ሕርሻን ኣገልግሎትን ንዝተዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ ሰፊሕ ዕድል ሒዙ ከምዝመፀ ኣልዒሎም።
ዕቤት ኢኮኖሚ ሃፍቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውሑድ ዓውዲታት ዝጠመተ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፥ ድሕሪ ትግበራ እቲ መመሓየሺ ንዓውዲ ብዝሃ ኢኮኖሚ ዝተፈለየ ትኹረት ተዋሂቡ እናተሰርሐ ይርከብ ኢሎም።
በዚ ድማ ትኹረት ዝተገበረሎም ዘፈራት ሙሉእ ዓቕሞም ተጠቒሞም ውፅኢታዊ ንኽኾኑን ቀፃልነት ዘለዎ ዕቤት ኢኮኖሚያዊ ሃፍቲ ክምዝገብን ዕድል ከምዝፈጠረ ኣብሪሆም፡፡
ነቲ መመሓየሺ ሽዒቡ ተመን ሸርፊ ወፃኢ ብዕዳጋ ክውሰን ምግባሩ ሰደድ ወፃኢ ካብ ምትብባዕ ብተወሳኺ ነጋዶ ከሰብቲ ንክኾኑን ኣእኽኢሉ ኢዩ ኢሎም።
ብፍላይ ካብ ወፃኢ ዕዳጋ ዝኣቱ ዝነበረ ፍርያት ብፍርያት ውሽጢ ሃገር ኣብ ምትካእ ዘዕግብ ውፅት ተረኺቡ እዩ ምስበሉ ቐፃልነት ዘለዎ ምዕባለ ምጣነ ሃብታዊ ንኸምዝገብ በሪ ምኸፋቱ ኣመልኪቶም።