ናይ ምድማር መንግስቲ ካብ ናይ ትማሊ እስረኛነት ዝተላቐቐን ንምኽንያዊትነት ትኹረት ዝሃበን እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ናይ ምድማር መንግስቲ ካብ ናይ ትማሊ እስረኛነት ዝተላቐቐን ንምኽንያዊትነት ትኹረት ዝሃበን እዩ

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 7/2018(ኢዜኣ) ናይ ምድማር መንግስቲ ካብ ናይ ትማሊ እስረኛነት ዝተላቐቐን ንምኽንያዊትነት ትኹረት ዝሃበን ከምዝኾነ ኣብ መፅሓፍ”የመደመር መንግስት” ሂሳዊ ዳህሳስ ዘቕረቡ ሙሁራን ገሊፆም።
ብቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዝተፅሓፈ መፅሓፍ“የመደመር መንግስት” ንንባብ በቒዑ።
ኣብ መርሃ ግብሪ ምረቓ እቲ መፅሓፍ፤ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ፣ደራስን ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢን ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)፣ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ላዕለዎት መኮንናት ሰራዊትን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ተረኺቦም።
ኣብቲ መፅሓፍ ዳህሳስ ዘቕረቡ መምህር ፍልስፍና ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዳኛቸው ኣሰፋ(ዶ/ር)፤ እቲ መፅሓፍ ኣብ ኩለመዳያዊ ፀገማት ኢትዮጵያ ንድፈ ሓሳባዊ ትንተና ጥራሕ ዘይኮነስ ተግባራዊ ምላሽ ዘመላኽት እዩ ኢሎም።
ነቶም ፀማት ዝተገንዘበ ሙሉእ መፍትሒ ምቕማጥ ከምዝግባእ ኣብቲ መፅሓፍ ብግልፂ ምቕማጡ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ሓደ መንገዲ ጥራሕ ካብ ዝኽተል እስረኝነት ርእዮተ ዓለም ዝተላቐቐ ኣካይዳ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
እቲ መፅሓፍ ዝሓዞም ትንተናታት ምኽንያታዊነት መሰረት ዝገበሩን ንምኽንያታዊነት ክፍቲ ዝኾኑን ከምዝኾኑ እውን ተዛሪቦም።
እቲ መፅሓፍ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣበይ ከምዘላን ቀፃሊ ጉዕዞኣ እንታይ ክመስል ከምዘለዎን ብግልፂ ከምዘቕምጥ ኣረዲኦም።
ብተወሳኺ እውን ኣብ መንጎ ዜጋታት ምትሕብባርን ምድግጋፍን ንክህሉ መንገዲ ብምኽፋት ሰላምን ሓድነትን ንክጠናኸር ዝርዝር ሓሳብ ከምዘቐመጠ ኣብራህሪሆም።
ካሊእ ኣብቲ መፅሓፍ ዳህሳስ ዘቕረቡ ተንታኒ ፖለቲካ ዘሪሁን ተሾመ ብግደኦም፤ እቲ መፅሓፍ ንትማሊ ብልክዑ ዝርዳእን ኣብ ናይ ትማሊ እሳበ ጠጠው ዘይበለን ምዃኑ ገሊጾም።
ናይ ሎሚ ፀገማት ብዝግባእ ከምዝድህስስ ብምሕባር፤ ዘጋጥሙ ፈተናታት ዝሓሸ ፅባሕ ካብ ምህናፅ ከምዘየዐንቅፉ ብግልፂ ዘመላኽት ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።