መደመር ተባሂሉ ዝተጀመረ ጉዕዞ ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ሎሚ ኣብ ናይ ምድማር መንግስቲ በፂሑ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ - ኢዜአ ትግርኛ
መደመር ተባሂሉ ዝተጀመረ ጉዕዞ ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ሎሚ ኣብ ናይ ምድማር መንግስቲ በፂሑ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 6/2017(ኢዜኣ) መደመር ተባሂሉ ዝተጀመረ ጉዕዞ ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ሎሚ ኣብ ናይ ምድማር መንግስቲ በፂሑ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ኣተሓሳስባ ምድማር ዝፀሓፍዎ መበል 4ይ መፅሓፍ ''የመደመር መንግሥት'' ሎሚ ተመሪቑ ንንባብ በቒዑ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምረቓ፤ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ፣ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ላዕለዎት መኮንናት ሰራዊትን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ተረኺቦም።
ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ዘመሓላለፉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፤ መደመር ተባሂሉ ዝተጀመረ ጉዕዞ ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ሎሚ ኣብ ናይ ምድማር መንግስቲ በፂሑ ኢሎም።
“ብሓደ መዳይ እናመርሑ፣ እናሰርሑ፤ ብካሊእ መዳይ እናፅንዑ፣እናመርመሩ ንዘበርከቱልና መፅሓፍ ነመስግን” ክብሉ እውን ሓቢሮም።