ናይ ምድማር መንግስቲ ኣብ ሎሚ ኮይኑ ንዝሓሸ ፅባሕ ዝርእን ዝሃንፅን እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 6/2018(ኢዜኣ) ናይ ምድማር መንግስቲ ኣብ ሎሚ ኮይኑ ንዝሓሸ ፅባሕ ዝርእን ዝሃንፅን እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ኣተሓሳስባ ምድማር ዝፀሓፍዎ መበል 4ይ መፅሓፍ ''የመደመር መንግሥት'' ሎሚ ተመሪቑ ንንባብ በቒዑ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምረቓ፤ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ፣ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ላዕለዎት መኮንናት ሰራዊትን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ተረኺቦም።





እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ መፅሓፍ ''መነሻ''፣ ''መዳረሻ''፣ ''መንገድ'' ን ''መንግስት''ን ኣብ ዝብሉ 4 ሓሳባት ጠመተ ዝገበረ እዩ።
ስለዝኾነ ድማ እቲ መፅሓፍ ኢትዮጵያ ንምንታይ ድኻ ኮይና ካብ ዝብል ነስሓ ከምዝለዓልን ዝፀረየ መፍትሒ ከምዘመላኽትን ፀሪሖም።
እቶም መፍትሕታት ድማ መባፅሒ ኢትዮጵያ ብግልፂ ዘቐምጡ ከምዝኾኑ ብምሕባር፤ ናይ ምድማር መንግስቲ ብልፅግና ኢትዮጵያ ዝደሊ ጥራሕ ዘይኮነስ ንክዕወት ዝሰርሕ እዩ ኢሎም።
ኩለመዳያዊ ኣተሓሳስብኡ እውን ንካልኦት ንምምሳል እትፅዕር ዘይኮነስ ዓርሳ መርኣያ እትኸውን ሃገር ንምህናፅ ምስራሕ እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እዚ ድማ ብዕዉት ኩነታት ክሳለጥ እዩ
ክብሉ ሓቢሮም።
ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያን ሓምለዋይ ኣሰርን ሓዊሱ ኣብ ብርክት ዝበሉ ዓውድታት ዝተመዝገበ ዓወት እውን ኣብዚ መዳይ ኣብነት ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ኢትዮጵያ ከምትኽእል ኣርእዩ እዩ ኢሎም።
ዝሓሸትን ዝማዕበለትን ሃገር ጋህዲ ንምግባር እቲ መንገዲ እንታይ ይኹን ዝብል ድማ እቲ መፅሓፍ ትኹረት ዝገበረሉ ሳልሳይ ሓሳብ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ብመዳይ እዚ ራኢና ንምዕዋት እንጎዓዞ መንገዲ ሓቛፍን ካብ ውሽጢ ናብ ወፃኢ ዝርእን ክኸውን ከምዘለዎ ፀሪሖም።
ኣብ ኢትዮጵያ ንኹሉ ዝኣክል ሓቛፊ ስርዓት ምህናፅ ከምዝከኣል ዝገለፁ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ እንድመር ብሓደ እእምሮ ንምሕሳብ ዘይኮነስ ብዛዕባ ሓንቲ ሃገር ብሓባር ንምስራሕ እዩ ኢሎም።
እዚ ድማ ንስምብራት ዘበናት ኢትዮጵያ ፍቱን መድሓኒት ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ብተወሳኺ እውን ንፅባሕ ኣሳጊርና ዝሓዝናዮ ራኢ ጋህዲ ዝኸውን ጠንካራ መንግስቲ እንትህሉ እዩ፤ መንግስቲ ድማ መሰረት ኩሎም ዓወታት እዩ ክብሉ ገሊፆም።
ብመዳይ እዚ ናይ ምድማር መንግስቲ ኣብ ሎሚ ኮይኑ ንፅባሕ ዝርእን ዝሰርሕን ከምዝኾነ ኣብራህሪሆም።

 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም