ቻይና ንልምዓትን ዕቤትን ኣፍሪካ ትገብሮ ደገፍ ኣጠናኺራ ክትቕፅለሉ እያ-ኣምባሳደር ጃንግ ፋንግ

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 5/2018 (ኢዜኣ) ቻይና ንልምዓትን ዕቤትን ኣፍሪካ ትገብሮ ደገፍ ኣጠናኺራ ከምትቕፅለሉ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ሓላፊ ልኡኽ ቻይና ኣምባሳደር ጃንግ ፋንግ ገሊፆም።
ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ሓላፊ ልኡኽ ቻይና ኣምባሳደር ጃንግ ፋንግ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ቻይናን ኣፍሪካን ኣብ ዞባውን ዓለም ለኻውን ጉዳያት ዘለወን ምትሕብባር ኣጠናኺረን ከምዝቐፀላሉ ሓቢሮም።
ብፍላይ ኣብ ሪፎርም፣ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ምውጋእ ግብረ ራዕድን ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ብሓባር እናሰርሓ እየን ኢሎም።
ቻይና ልምዓትን ዕቤትን ኣፍሪካ ምድጋፋ ከምትቕፅለሉ እውን ሓቢሮም።
ኣፍሪካውያን ናይ ባዕሎም ፀገማት ብባዕሎም ናይ ምፍታሕ ዓቕምን ጥበብን ከምዘለዎም ቻይና ከምትኣምን ብምግላፅ፤ ቻይና ብሕብረት ኣፍሪካ ኣቢላ ትገብሮ ደገፍ ኣጠናኺራ ከምትቕፅለሉ ኣረጋጊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም