ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ውፅኢት ትግሃትን ፅንዓትን መላእ ኢትዮጵያውያን እዩ-ርእሰ ምምሕዳር ኣሻድሊ ሓሰን

ኣሶሳ/መስከረም 5/2018 (ኢዜኣ) ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ውፅኢት ትግሃትን ፅንዓትን መላእ ኢትዮጵያውያን እዩ ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣሻድሊ ሓሰን ገሊፆም።
ህንፀት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ብዓወት ምዝዛሙ ብዝምልከት ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ከተማ ኣሶሳ ህዝባዊ ሰልፊ ድጋፍ ተኻይዱ።




ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣሻድሊ ሓሰን ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኣሰር መላእ ኢትዮጵያውያን ዝዓረፈሉ ውፅኢት ትግሃትን ፅንዓትን እዩ።
እቲ ግድብ ንዓወት ዝበቕዐ ብርክት ዝበሉ ፈተናታት ብምሕላፍ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ብደገፍ ህዝብን ቆራፅ ኣመራርሓ መንግስትን ጋህዲ ምዃኑ እውን ፀሪሖም።
እቲ ግድብ ኢትዮጵያውያን ኣብ ጉዳይ ኣባይ ካብ ሰማዒ ታሪኽ ናብ ሰራሒ ታሪኽ ዝተሸጋገርናሉን ብፈተና ዝተረኸበን ኣሰር ወለዶ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ሕብረተሰብ እቲ ክልል እውን ካብ ትሩፋት እቲ ግድብ ተረባሒ እናኾነ እዩ ዝበሉ እቶም ርእሰ ምምሐዳር፤ እዚ ድማ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያን ጉዕዞ ብልፅግናን ምዕዋት ዘኽእል መርኣያ ዓወት ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ተሳተፍቲ እቲ መርሃ ግብሪ፤ “ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ወለዶ ዘበነ ኣባይ ትኽክለኛ ሓሳብ ኣብ ትኽክለኛ እዋን ዝሃነፅናዮ ዘበን ተሻጋሪ ሓድጊ” ከምኡ እውን”ግድብ ሕዳሰና ብናይ ባዐልና ዓቕሚ ዝሃነፅናዮ ዓምዲ ሓድነትናን ሕብረትናን” ዝብሉን ካልኦትን መልእኽትታት ኣስሚዖም።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ነበርቲ ኣሶሳን ከባቢኡን፣ላዕለዎት ኣመራርሓን ኣካላት ፀጥታን ተሳቲፎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም