ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ዝግበር ዘሎ ሪፎርም ውፅኢት ብሄራዊ ፈተና 12 ክፍሊ 2017 ዓ/ም ንክመሓየሽ ኣኽኢሉ እዩ-ሚኒስቴር ትምህርቲ

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 4/2018 (ኢዜኣ) ስምብራት ስርዓት ትምህርቲ ንምፅጋን ኣብቲ ዓውዲ ዝግበር ዘሎ ሪፎርም ውፅኢት ብሄራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ዘበነ ትምህርቲ 2017 ዓ/ም ዝወሰዱ ተምሃሮ ካብ ናይ ዝሓለፉ ዓመታት ዝሓሸ ንክኸውን ከምዘኽኣለ ሚኒስቴ ትምህርቲ ኣፍሊጡ።
ውፅኢት ብሄራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ዘበነ ትምህርቲ 2017 ዓ/ም ክሳብ ፅባሕ ሰዓት 6 ከምዝልቀቕ ተገሊፁ።
ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2017 ዝተውሃበ ብሄራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ኣመልኪቶም ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ መግለፂ ሂቦም።
እቶም ሚኒስትር ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2017 ዓ/ም ብሄራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ካብ ዝወሰዱ 585 ሽሕን 882 ተምሃሮ እቶም 48 ሽሕን 929 ተምሃሮ 50 ሚኢታውን ልዕሊኡን ውፅኢት ኣምፂኦም።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 5 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ተምሃሮ ምሕላፎም ብምዝኽኻር፤ ሎሚ ዘበን ድማ 8 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ምሕላፎም ተዛሪቦም።
ልዕሊ 50 ሚኢታዊ ውፅኢት ዘምፅኡ ተምሃሮ ብተፈጥሮ ሳይንስ 11 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ እንትኾኑ 5 ነጥቢ 2 ድማ ብማሕበራዊ ሳይንስ እዩ ኢሎም።
ኣብ ተፈጥሮ ሳይንስ ካብ 600 ዝለዓለ ውፅኢት ዘምፅኡ ወዲ 591 እንትኸውን ካብ ደቂ ኣንስትዮ ድማ 579 ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ኣብ ማሕበራዊ ሳይንስ እውን ካብ 600 ወዲ ዝለዓለ ውፅኢት 562 እንትኸውን ካብ ደቂ ኣንስትዮ ድማ 548 ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
1 ሽሕን 249 ኣብያተ ትምህርቲ ዋላ ሓደ ተምሃራይ ከምዘየሕለፋ ብምግላፅ፤ 50 ኣብያተ ትምህርቲ ድማ ሙሉእ ንሙሉእ ከምዘሕለፋ ኣረዲኦም።
እቲ ዝለዓለ ውፅኢት ዝተመዝገበ ኣብ ሓዳሪ ኣብያተ ትምህርቲ ብማእኸላይ 71 ሚኢታዊ ምዃኑ ዝገለፁ ፕሮፌሰር ብርሃኑ፤ ትሑት ውፅኢት ዝተመዝገበ ድማ ኣብ ምሸታዊ ተምሃሮ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
2 ሽሕን 384 ተምሃሮ ልዕሊ 500 ከምዘምፅኡ እውን ሓቢሮም።
ኣብዚ ዓመት ሬሜዲያል ፕሮግራም ከምዝህሉ ብምሕባር፤ ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ውፅኢት ብዝወሰኸ ከምዝወሃብ ፀሪሖም።
ምምሕያሽ ውፅኢት ተምሃሮ እዚ ዘበነ ትምህርቲ ስምብራታት ስርዓት ትምህርቲ ንምሕካም ዝግበሩ ዘለዉ ስራሕቲ ሪፎርም ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም