ኣብ 2017 ዓ/ም ብሄራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ካብ ዝወሰዱ ተምሃሮ 8 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ተምሃሮ 50 ሚኢታውን ልዕሊኡን ኣምፂኦም-ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 4/2017(ኢዜኣ) ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2017 ዓ/ም ብሄራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ካብ ዝወሰዱ ተምሃሮ 8 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ተምሃሮ 50 ሚኢታውን ልዕሊኡን ብምምፃእ ከምዝሓለፉ ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ገሊፆም።
እቶም ሚኒስትር ንውፅኢት ብሄራዊ ፈተና 12 ክፍሊ 2017 ዓ/ም ኣመልኪቶም መግለፂ እናሃቡ እዮም ዝርከቡ።
ኣብ መግለፂኦም እውን ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2017 ዓ/ም ብሄራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ካብ ዝወሰዱ ተምሃሮ 48 ሽሕን  929 ተምሃሮ 50 ሚኢታውን ልዕሊኡን ብምምፃእ ምሕላፎም ሓቢሮም።
እዚ ድማ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት እንትነፃፀር ናይ 12 ሽሕ ኣፈላላይ ከምዘለዎ ተዛሪቦም።

50 ሚኢታውን ልዕሊኡን ካብ ዘመዝገቡ 5 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ተፈተንቲ ማሕበራዊ ሳይንስ፣11 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ድማ ተፈተንቲ ተፈጥሮ ሳይንስ ከምዝኾኑ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ኣብ መግለፂኦም ኣፍሊጦም።
585 ሽሕን 882 ተምሃሮ እቲ ፈተና ዝወሰዱ እንትኸውን ካብዚኣቶም 8 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ጥራሕ 50 ሚኢታውን ልዕሊኡን ብምምፃእ ምሕላፎም ተዛሪቦም።
50 ኣብያት ትምህርቲ ሙሉእ ንሙሉእ ተምሃረኦም እንተሕልፉ 1 ሽሕን 249 ኣብያተ ትምህርቲ ድማ ዋላ ሓደ ተምሃሪ ከምዘየሕለፉ ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም