ልዕሊ 6 ቢልዮን ብር ንዓብይ ግድብ ሕዳሰ ዘዋፅአ ህዝቢ ኣዲስ ኣበባ ምስጋና ይግበኦ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 4/2018(ኢዜኣ) ልዕሊ 6 ቢልዮን ብር ንዓብይ ግድብ ሕዳሰ ዘዋፅአ ነባሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስጋና ይግበኦ ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
“ኢትዮጵያ ትኽእል እያ፤ ብምትሕብባርና ክኢልና”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምዝዛም ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኣመልኪቶም ዓብይ ሰልፊ ደገፍ ኣብ መስቀል ኣደባባይ የሳልጡ ኣለዉ።





ኣብቲ ሰልፊ ደገፍ፤ ፕሬዝዳንት ታዬ ኣጽቀስላሴ፣ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፣ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፣ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ተረኺቦም።
ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ጋህዲ ዝኾነ ብዝሓበረ ቅልፅም እዩ።
እዚ ግድብ ፍሉይ መርኣያ ምኽኣልን ምትሕብባርን ከምዝኾነ እውን ሓቢረን።

ኣብ ከይዲ ህንፀት እቲ ግድብ ነባርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ 6 ቢልዮን ብር ከምዘዋፅኡ ተዛሪበን።
ህዝቢ ከተማ ኣዲኣ ኣበባ ምስ ካልኦት ኣሕዋቱን ኣሓቱን ብምዃን ንዝገበሮ ኩለመዳያዊ ኣስተዋፅኦ እውን ምስጋና ይግበኦ ኢለን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም