ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ጥንካረ መንፈስ ኢትዮጵያውያን ዝተርኣየሉ ዓብይ ገድሊ እዩ-ፕሬዝዳንት ታዬ ኣጽቀስላሴ - ኢዜአ ትግርኛ
ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ጥንካረ መንፈስ ኢትዮጵያውያን ዝተርኣየሉ ዓብይ ገድሊ እዩ-ፕሬዝዳንት ታዬ ኣጽቀስላሴ

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 4/2018 (ኢዜኣ) ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ጥንካረ መንፈስ ኢትዮጵያውያን ዝተርኣየሉ ዓብይ ገድሊ እዩ ክብሉ ፕሬዝዳንት ታዬ ኣጽቀስላሴ ገሊፆም።
“ኢትዮጵያ ትኽእል እያ፤ ብምትሕብባርና ክኢልና”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምዝዛም ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኣመልኪቶም ዓብይ ሰልፊ ደገፍ ኣብ መስቀል ኣደባባይ የሳልጡ ኣለዉ።
ኣብቲ ሰልፊ ደገፍ፤ ፕሬዝዳንት ታዬ ኣጽቀስላሴ፣ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፣ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፣ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ተረኺቦም።
ፕሬዝዳንት ታዬ ኣጽቀስላሴ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ብዙሕ ትርጉም ዘለዎ እዩ።
እቲ ግድብ ጥንካረ መንፈስ ኢትዮጵያውያን ዝተርኣየሉ ዓብይ ገድሊ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ህዝባዊ ሓይሉ ብርቱዕ ስርሑ እውን ዓብይ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ መርኣያ ንኽእል ኢና እዩ ኢሎም።
120 ሚልዮን ህዝቢ ናይ ተመፅዋታይነት መግለፂኡ ዝደርበየሉ ውፅኢት ጥንካረ ከምዝኾነ ፀሪሖም።
ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ጥንካረ ስራሕ፣ብቕዓት መሪሕነት፣ ሓድነት ህዝቢ ዝተርኣየሉ እዩ ክብሉ እውን ሓቢሮም።
ሕዳሰ ካብ ኢትዮጵያውያን ንኢትዮጵያውያን ዝተውሃበ ክባር ማይ እዩ ዝበሉ እቶም ፕሬዚዳንት፤ ንንብዓት ዘበናት ኣዴታት ኢትዮጵያ ምላሽ ዝሃበ ፕሮጀክት እዩ ኢሎም።
ኣብ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ተሳትፎ ንዝገበሩ ኩሎም ምስጋና ዘቕረቡ እንትኸውን ብፍላይ ድማ ኣስተዋፅኦ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስጋና ከምዝግበኦ ኣረዲኦም።