“ኢትዮጵያ ትኽእል እያ”-ዓብይ ህዝባዊ ሰልፊ ድጋፍ ፕሬዝዳንት ታየ ኣጽቀሥላሴ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ - ኢዜአ ትግርኛ
“ኢትዮጵያ ትኽእል እያ”-ዓብይ ህዝባዊ ሰልፊ ድጋፍ ፕሬዝዳንት ታየ ኣጽቀሥላሴ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 4/2018(ኢዜኣ) “ኢትዮጵያ ትኽእል እያ”-ዓብይ ህዝባዊ ሰልፊ ድጋፍ ፕሬዝዳንት ታየ ኣጽቀሥላሴ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
ህንፀት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ተዛዚሙ ምምራቑ ኣመልኪቱ “ኢትዮጵያ ትኽእል እያ!” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ፕሬዚዳንት ታየ ኣጽቀሥላሴ፣ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፣ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፣ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ኣብ ዝተረኸብሉ ዓብይ ህዝባዊ ሰልፊ ድጋፍ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ይካየድ ኣሎ።
ተሳተፍቲ እቲ ሰልፊ ድጋፍ ካብ ዝሓዝዎም መልእኽትታት፤
👉“ብሕብረት ክኢልና”፤
👉“ግድብና ንሃገራት ተፋሰስ በረከት እምበር ጉድኣት ኣይኮነን”፤
👉“ግድብና ኒሻን ብህብር ኢትዮጵያውነት ናይ ምፅናዕ ኣሸናፊነትና”፤
👉“ግድብና ኣብ ቁርፂ እዋን ብፅንዓት ጠጠው ክንብል ዝገበረና መቐነት ውዕልና”
ዝብሉን ካልኦት መልእኽትታትን ሒዞም እቶም ተሰለፍቲ ሓጎሶም ይገልፁ ኣለዉ።