ብሓይሊ ሞተር ዝንቀሳቐሳ ጀልባታት ካብ ቀረፅን ታክስን ነፃ ኮይነን ንክኣትዋ ተፈቒዱ-ሚኒስቴር ገንዘብ

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 3/2018(ኢዜኣ) ብሓይሊ ሞተር ዝንቀሳቐሳ ጀልባታት ካብ ቀረፅን ታክስን ነፃ ኮይነን ንክኣትዋ ከምዝተፈቐደ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ገሊፆም።
ብሓይሊ ሞተር ዝንቀሳቐሳ ጀልባታት ካብ ቀረፅን ታክስን ነፃ ኮይነን ንክኣትዋ ምፍቃዱ ኣመልኪቶም ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቦም።
ኣብ መግለፂኦም እውን፤ ኣብ ውሽጢ ቀፃሊ ሓደ ዓመት ጀልባታት ሞተር ካብ ቀረፅን ታክስን ነፃ ኮይነን ናብ ውሽጢ ሃገር ምእታው ከምዝተፈቐደ ሓቢሮም።
ፍልፍላት ዕቤት ኢኮኖሚ ኣብ ምስፍሕፋሕ ካብ ዝተሳለጡ ስራሕቲ ምቅልጣፍ ልምዓት ቱሪዝም እቲ ሓደ እዩ ኢሎም።
ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ብርክት ዝበሉ መባፅሕታት ቱሪዝም ከምዝተዳለዉ ብምሕባር፤  ኢትዮጵያ ንቱሪስት መባፅሕታት ዝኾኑ ሃይቅታት ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ተፈጥሮኣውን ሰብ ስራሕን ሃፍትታት ከምዘለውዋ ኣረዲኦም።
መባፅሕታት ቱሪዝም ብኣግባቡ ብምልማዕን ብምልላይን ንዕቤት ኢኮኖሚ ሃገርና ኣስተዋፅኦ ንከበርክቱ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ እውን ኣብራህሪሆም።
ሃይቅታት ሃገርና ምችው መባፅሕታት ቱሪዝም ንክኾኑ ምችው ኩነታ ምፍጣር ኣድላይ ኮይኑ ከምዝተረኸበ ብምግላፅ፤ ብመሰረት ብመንግስቲ ዝተውሃበ ኣንፈት ብሓይሊ ሞተር ዝሰርሓ ዝተፈላለያ ጀልባታት ንሓደ ዓመት ካብ ቀረፅን ታክስን ነፃ ኮይነን ናብ ውሽጢ ሃገር ንክኣትዋ ሚኒስቴር ገንዘብ ምፍቃዱ ተዛሪቦም።
እዚ ንሓደ ዓመት ዝፀንሕ ዕድል እውን ንትራንስፖርት፣ ውልቃዊ ኣገልግሎት፣ምርምርን ካልኦት ማሕበራዊ ጉዳያትን ዝውዕላ ጀልባታት ምእታው ከምዝከኣል ኣረጋጊፆም።
ሰብ ሃፍትን ነጋዶን ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያን ካልኦት ኣካላት እውን እዚ ዕድል ንክጥቀምሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም