ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ካብ ኢትዮጵያውያን ሓሊፉ ዞባዊ ምትእስሳር የጠናኽር እዩ-ምክትል ኣምባሳደር ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ፈርዲናንድ ፎን ቫሄ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ካብ ኢትዮጵያውያን ሓሊፉ ዞባዊ ምትእስሳር የጠናኽር እዩ-ምክትል ኣምባሳደር ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ፈርዲናንድ ፎን ቫሄ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም /2/2018 (ኢዜኣ) ምዝዛም ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ካብ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ብዝዘለለ ሃገራት እቲ ዞባ ንምትእስሳር እውን ዓብይ ዓቕሚ ዘለዎ ከምዝኾነ ምክትል ኣምባሳደር ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ፈርዲናንድ ፎን ቫሄ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ንቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ምችውቲ ሃገር ከምዝኾነት እውን ሓቦሮም።
ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ 4 ጳጉሜን 2017 ዓ/ም ብቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምምራቑ ዝፍለጥ እዩ።
ኣምባሳደር ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ፈርዲናንድ ፎን ቫሄ (ዶ/ር) ኣብ ምዝዛም ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኣመልኪቶም ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ንኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ዞባን ካልኦት ሃገራትን ተረባሕቲ ዝገብር ስለዝኾነ ምትእስሳር ዘጠናኽር እዩ።
ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ዓቕሚ ምፍልፋል ልዑል ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ጎረቤት ሃገራት ይኹን ካብኡ ብዝዘለለ መልክዑ ብምትሕብባር እንተሰሪሖም ተረባሕነቶም ምዕባይ ከምዝከኣል እውን ተዛሪቦም።