ኢትዮጵያ ንፀለምቲ ህዝብታት ዳግማይ ዘኹርዕ ታሪኽ ሰሪሓ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ንፀለምቲ ህዝብታት ዳግማይ ዘኹርዕ ታሪኽ ሰሪሓ

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም/ 2/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ከይኣተወት ዝፀንሐት ሃገር ድሙቕ ታሪኽ ዘለዋ ኢትዮጵያ ሕዚ ድማ ኣብ ኣፍሪካ እቲ ዝዓበየ መመንጨዊ ሓይሊ ብምህናፅ ዘኹርዕ ታሪኸ ፅሒፋ እያ ክብሉ ፅልዋ ፈጠርቲ ቲክቶከራት ገሊፆም።
ዓብይ ግድብ ሕዳሰ 4ጳጉሜን 2017 ዓ/ም ብቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምምራቑ ዝፍለጥ እዩ።
እዚ ስዒቡ ብርክት ዝበሉ ቲክቶከራት ኢትዮጵያ ንካልኦት ሃገራት ብመርኣያነት ዝግለጽ ስራሕ ከምዝሰርሐት ኣብ ገፃቶም ገሊፆም።
ካብዞም ቲክቶከራት ዲለን ፔጅ ልዕሊ 17 ነጥቢ 3 ሚልዮን ተኸተልቲ ኣብ ዘለውዎ ገፁ፤ ብትግሃት ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ኣፍሪማ ታሪኽ ተሰሪቡ ኢሉ።
ኣብ ኣፍሪካ እቲ ዝዓበየ መፈልፈሊ ሓህሊ ዝኾነ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ንዝሓለፉ 14 ዓመታት ኣብ ህንፀት ከምዝነበረ እውን ኣዘኻኺሩ።
5 ሽሕ 150 ሜጋ ዋት ናይ ምፍልፋል ዓቕሚ ዘለዎ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ብብርኪ ዓለም ብግዝፈቶም ካብ ዝግለፁ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ እቲ ሓደ እዩ ኢሉ።
ምምራቕ እቲ ግድብ እውን ብዝህቦ ፍርያት ኤሌክትሪክ ካብ ኢትዮጵያውያን ብተወሳኺ ንጎረቤት ሃገራ ሽሻይ ከምዝኾነ እውን ኣረዲኡ።
ካሊእ ልዕሊ 1 ነጥቢ 2 ሚሊየን ተኸተልቲ ዘለውዎ ቲክቶከር ካጋን ደንላፕ ብግድኡ፤ ኣብታ ሃገር ካብ ዝርከቡ መፈልፈልቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ እቲ ዝዓበየ ዝኾነ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ብዓቕሚ ኢትዮጵያውያን ምስርሑ ንኢዱ።
74 ቢሊየን ኪዩቢክ ሜትር ማይ ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ዘለዎ እዚ ግድብ፤ ብዙሕ ህዝቢ ንዘለዋ ኢትዮጵያ ተበፃሕነት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣብ ንምርግጋፅ ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣለዎ ክብል ኣብ ገፁ ገሊፁ።
ከምኡ እውን 189 ነጥቢ 3 ሽሕ ተኸተልቲ ዘለውዋ ናታሻ ቲቪ ቲቪ ብዝብል ሽም ኣብ ጉዳያት ኣፍሪካ ብንቕሓት እትሳተፍ ቲክቶከር፤ ብትሃግት ኢትዮጵያ ኣፍሪካ ዓብይ ታሪኽ ሰሪሓ ክትብል ሓቢራ።
እዚ ግድብ ብናይ ዝኾነ ኣካል ረድኤት ዘይኮነስ ብመንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ምህናፁ ዘለዋ ናእዳ ገሊፃ።
ኣዶ ኣፍሪካ ዝኾነት ኢትዮጵያ ቀደም ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ከይኣተየት ሕዚ ድማ ንመላእ ኣፍሪካ መርኣያ ዝኸውን ኣብቲ ኣህጉር ዝዓበየ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ሃኒፃ ኣመሪቓ ኢላ።
እዚ ግድብ ብዘይ ዝኾነ ደግፍ ብዓርሰ ዓቕሚ ሰሪሕኻ ምልማዕ ከምዝከኣል መርኣያ ስለዝኽክነ ንመላእ ዓለም እውን ዓብይ መልእኽቲ ከምዘለዎ ኣብራህሪሃ።
እቲ ግድብ ብዓወት ምዝዛሙ እውን ኢትዮጵያ ንዜጋታታ ትገብሮ ዘላ ዝርገሐ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝሕግዝን ኣብ ዓውዲ ኢነርጂ እቲ ዞባ ንምትእስሳር ድሙቕ እጃም ከምዘለዎን ኣረዲኣ።
ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ምምራቑ ንኣፍሪካ ዜና ብስራት እዩ እውን ኢላ።