ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሓኩም ንሓዱሽ ዓመት፡-

👉እንኽብሮ ምልዋጥ ሓዱሽ ዓመት ኣይኮነን። ምልዋጥ ታሪኽ እውን እዩ። ምስሊ ኢትዮጵያ፣ተረኽ ኢትዮጵያ፣ጂኦፖለቲካዊ ቁመና ኢትዮጵያ ተቐይሩ እዩ። 

👉ንሕና ብዓቕምን ብቅዋምን እንተተደሚርና ሃገርና ወናኒት ብዙሕ ሃፍቲ እያ። ንኣፍሪካን ዓለምን ዝተርፍ ታሪኻዊ፣ባህላዊ፣ሃይማኖታውን ተፈጥሮኣውን ሃፍቲ መሊእዋ እዩ።

👉2018 ምንስርራእ ኢትዮጵያ ዝበለፀ ሱርን መሰረትን እነትሕዘሉ ዓመት እዩ።
 
👉ንኢትዮጵያ ወጋሕታን ምጥቀትን የድልየና እዩ። 2018 ልዕልና ኢትዮጵያ ዝበለፀ እናዓበየ፣ዝበለፀ እናበርሀ፣ዝበለፀ እናዓምበበ ዝኸደሉ እዩ።

👉ኢትዮጵያ ዝቕይራ ቅልጣፈን ፈጠራን ደቃ እዩ። ታሪኽ ኣባይ ዝቐየሮ ስራሕ እዩ። ታሪኽ ኢትዮጵያ ዝቕይሮ እውን ስራሕ እዩ።

👉በቢ ቢሮኡ፣በቢ ሕርሽኡ፣በቢ ዓውዱ፣በቢ ትካላቱ በቢ ኣብያተ ትምህርቲ ዘለና ኩላትና ኢትዮጵያውያን ልብና፣ሓሳብና፣ፍልጠትናን ጉልበትናን ንብልፅግና ኢትዮጵያ ነውዕሎ። እንትንሰርሕ እንታይ ከምንቕይር ካብ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ርኢና ኢና። 

👉ዕቤትን ብልፅግናን ውፅኢት ቅብብል እዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም