ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሓኩም ንሓዱሽ ዓመት፡- - ኢዜአ ትግርኛ
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሓኩም ንሓዱሽ ዓመት፡-
👉እንኽብሮ ምልዋጥ ሓዱሽ ዓመት ኣይኮነን። ምልዋጥ ታሪኽ እውን እዩ። ምስሊ ኢትዮጵያ፣ተረኽ ኢትዮጵያ፣ጂኦፖለቲካዊ ቁመና ኢትዮጵያ ተቐይሩ እዩ።
👉ንሕና ብዓቕምን ብቅዋምን እንተተደሚርና ሃገርና ወናኒት ብዙሕ ሃፍቲ እያ። ንኣፍሪካን ዓለምን ዝተርፍ ታሪኻዊ፣ባህላዊ፣ሃይማኖታውን ተፈጥሮኣውን ሃፍቲ መሊእዋ እዩ።
👉2018 ምንስርራእ ኢትዮጵያ ዝበለፀ ሱርን መሰረትን እነትሕዘሉ ዓመት እዩ።
👉ንኢትዮጵያ ወጋሕታን ምጥቀትን የድልየና እዩ። 2018 ልዕልና ኢትዮጵያ ዝበለፀ እናዓበየ፣ዝበለፀ እናበርሀ፣ዝበለፀ እናዓምበበ ዝኸደሉ እዩ።
👉ኢትዮጵያ ዝቕይራ ቅልጣፈን ፈጠራን ደቃ እዩ። ታሪኽ ኣባይ ዝቐየሮ ስራሕ እዩ። ታሪኽ ኢትዮጵያ ዝቕይሮ እውን ስራሕ እዩ።
👉በቢ ቢሮኡ፣በቢ ሕርሽኡ፣በቢ ዓውዱ፣በቢ ትካላቱ በቢ ኣብያተ ትምህርቲ ዘለና ኩላትና ኢትዮጵያውያን ልብና፣ሓሳብና፣ፍልጠትናን ጉልበትናን ንብልፅግና ኢትዮጵያ ነውዕሎ። እንትንሰርሕ እንታይ ከምንቕይር ካብ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ርኢና ኢና።
👉ዕቤትን ብልፅግናን ውፅኢት ቅብብል እዩ።