ኣብ ሓዱሽ ዓመት ዓበይቲ ሃገራዊ ዓወታት ንምምዝጋብ ክንተግህ ይግባእ-ኣቦታት ሃይማኖት - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ሓዱሽ ዓመት ዓበይቲ ሃገራዊ ዓወታት ንምምዝጋብ ክንተግህ ይግባእ-ኣቦታት ሃይማኖት

ኣዲስ ኣበባ/ጳጉሜን 5/2017(ኢዜኣ) ኣብ ሓዱሽ ዓመት ዓበይቲ ሃገራዊ ዓወታት ንምምዝጋብን ሰላምን ሓድነትን ንምጥንኻርን ምትጋህ ከምዝግባእ ኣቦታት ሃይማኖት ገሊፆም።
እቶም ኣቦታት ሃይማኖት ንሓዱሽ ዓመት 2018 መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።
ፓትርያርክ ቤተክርስትያን ተዋህዶ ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ እቲ ሓዱሽ ዓመት ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም፤ እዚ ሓዱሽ ዓመት እንትነኽብር ንሰላምን ልምዓትን ሃገር ከምኡ እውን ሓድነት ንምጥንኻር ክንተግህ ይግባእ ኢሎም።
እቲ ሓዱሽ ዓመት ዓበይቲ ሃገራዊ ዓወታት ዝምዝገብሉ ንክኸውን እውን ሰናይ ትምኒቶም ሓቢሮም።
ንኩለመዳያዊ ዕቤት ሃገር ኣቦታት ሃይማኖትን መላእ ህዝብን ብሓባር ምትጋህን ምፅላይን ከምዝግባእ እውን ወሲኾም ተዛሪቦም።
ሊቀጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ኣቡነ ካርዲናል ብርሃነኢየሱስ ሱራፌል፤ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ምምራቑ ንኢትዮጵያውያን ዘበነ ብርሃንን ዓወትን ምጅማሩ ዘበስር እዩ ኢሎም።
ላዕለዋይ ፀሓፊ ካውንስል ኣመንቴ ወንጌል ኣብያተ ክርስቲያናት ኢትዮጵያ ቄስ ደረጄ ጀምበሩ ብግደኦም፤ ኣብቲ ዝተዛዘመ ዓመት ከም ሃገር ዓበይቲ ዓወታት ዝተመዝገብሉ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ሓዱሽ ዓመት 2018 እንቕበሎ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ተዛዚሙ ንሃገርና ሓዱሽ ብስራት ዕላዊ ኣብ ዝተገበረሉ እዋን ምዃኑ እውን ዓብይ ምልዕዓል ዝፈጥር እዩ ኢሎም።