ኣብ ሓዱሽ ዓመት ጀግና ሰራዊት ምክልኻ ሃገር ሰላም ናይ ምፅናዕ ስራሕቱ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ እዩ- ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ሓዱሽ ዓመት ጀግና ሰራዊት ምክልኻ ሃገር ሰላም ናይ ምፅናዕ ስራሕቱ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ እዩ- ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ

ኣዲስ ኣነባ/ጳጉሜን 5/2017(ኢዜኣ) ኣብ ሓዱሽ ዓመት ጀግና ሰራዊት ምክልኻ ሃገር ሰላም ናይ ምፅናዕ ስራሕቱ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ እዩ ክብሉ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊፆም።
ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ሓዱሽ ዓመት 2018 ኣመልኪቶም መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።
ኣብ መልእኽቶም እውን፤ ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ወፃኢ ኣብ ግዳጅ ንዝርከብ ጀግና ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እንኳዕ ንበዓል መለወጢ ዘበን ኣብፀሐኩም ኢሎም።
2017 ዓ/ም ጀግና ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝተውሃቦ ልኡኽቶ ብዓወት ዝተዋፅአሉ ዓመት ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ስለዝኾነ እውን 2017 ዓ/ም ዝሓሸ ድባብ ሰላም ዝተርኣየሉ ዓመት ኮይኑ ከምዝሓለፈ ሓቢሮም።
ሰራዊት ምክልኻል ናይ መወዳእታ ድፋዕ ልኣላዊነት ሃገር እዩ ዝበሉ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ፤ እዚ ድማ ብተግባር ከምዘርኣየ ኣፍሊጦም።
ነዚ ድማ ልዑል ክብርን ምስጋናም ኣለኒ ኢሎም።
2018 ዓ/ም ዝተጀመሩ ስራሕቲ ዝዛዘምሉን ኣፈላላያት ብሰላማዊ መንገዲ ተፈቲሖም ሃገርና ናብ ሙሉእ ሰላም እትሸጋገረሉን ዘበን ክኸውን እዩ ክብሉ እውን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።