ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ንሓዱሽ ዓመት 2018 መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም



እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ዘመሓላለፍዎ ሙሉእ መልእኽቲ፡-
ዝሓለፈ ዓመት ፍፃመ ግድብና ኣበሲሩ፣ኣብ ኩሎም ዝተለምናዮም ስራሕቲ ዝነበረና ኣፈፃፅማ ውፅኢታዊ ኮይኑ ሓሊፉ እዩ። ዋላ ኳ በቲ ዝግበኣና መጠን እንተዘይኮነ እንኽእሎ መጠን ግና ሰሪሕናሉ ኢና። ዋላ ኳ ዝተርፈና እንተሃለወ ዓበይቲ ዓወታት ኣመዝጊብና ኢና።


ካብ ሎሚ ፅባሕ ይበልፅ። ዘይተነኽአ ብዙሕ ሃፍቲ ኣለዎ። ንሕና እውን ካብ ትማሊ ዝተመሃርናዮ ብዙሕ ልምዲ ኣለና። ዘኻዕበትናዮ ብዙሕ ሃፍቲ ኣለና። ፅባሕ ካብ ትማሊ ዝበለፁ ዓበይቲ ትልምታት ኣብ ቅድሚትና ኣለዉ። እዞም ትልምታት እንትፍፀሙ እታ ናይ ትማሊ ኢትዮጵያ ካብታ ናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ ዝፈልዩ እዮም። 


ምንስርራእ ኢትዮጵያ መሰረት ኣትሒዞም ብልፅግናና ዘረጋግፁ እዮም።
ኢትዮጵያ እንፈትው ኩላትና ንዘበነ ምንስርራእ ኢትዮጵያ ብሓባር ንትጋህ፣ውፅኢታዊ ንኹን፣ታሪኽ ንስራሕ።

ርሑስ ሓዱሽ ዓመት፤ ርሑስ ዘበነ ስራሕ ይኹነልና።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም