ከም ግድብ ሕዳሰ ዝበሉ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ብምዕዋት ኢትዮጵያ ንቕድሚት ንምጉዓዝ ዘይምርድዳኣት ብምኽክር ምፍታሕ ይግባእ-ዋና ኮሚሽነር ፕሮፌሰር መስፍን ኣርአያ - ኢዜአ ትግርኛ
ከም ግድብ ሕዳሰ ዝበሉ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ብምዕዋት ኢትዮጵያ ንቕድሚት ንምጉዓዝ ዘይምርድዳኣት ብምኽክር ምፍታሕ ይግባእ-ዋና ኮሚሽነር ፕሮፌሰር መስፍን ኣርአያ

ኣዲስ ኣበባ/ጳጉሜን 5 /2017 (ኢዜኣ) ከም ግድብ ሕዳሰ ዝበሉ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ብምዕዋት ኢትዮጵያ ንቕድሚት ንምጉዓዝ ዘይምርድዳኣት ብምኽክር ምፍታሕ ከምዝግባእ ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ፕሮፌሰር መስፍን ኣርአያ ገሊፆም።
ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣብ ኣፈፃፅማ ትልሚ 2017ን ትልሚ 2018ን ኣመልኪቱ መብራህርሂ ሂቡ።
ዋና ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ፕሮፌሰር መስፍን ኣርአያ፤ ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት 2017 ካብ ህዝባዊ መድረኻት፣ትካላትን ውልቀ ሰባትን ውፅኢታዊ ኣጀንዳ ናይ ምትእኽኻብ ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ ተዛሪቦም።
እቲ ኮሚሽን ካብ ውሽጢ ሃገር ብዝዘለለ ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያን ኣብ ምኽክር ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ንክሳተፉ እናገበረ እዩ ኢሎም።
ስለዝኾነ እውን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን ዝተገበረ ከይዲ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ግልፅን ዲሞክራሲያውን ብዝኾነ መንገዲ ከምዝተኻየደ ሓቢሮም።
ከም ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ዝበሉ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ብምዕዋት ኢትዮጵያ ንቕድሚት ንምጉዓዝ ዘይምርድዳኣት ብምኽክር ምፍታሕ ከምዝግባእ እውን ኣረዲኦም።
ኩሉ ኢትዮጵያዊ ፀገማት ንምፍታሕ ካብ ዘተ ወፃኢ ካሊእ ኣማራፂ ከምዘየለ ብምርዳእ ንውፅኢታውነቱ እጃሙ ክዋፃእ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።