ኢትዮጵያ ምንስርራእ ኣብ ዝጀመረትሉን ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኣብ ዝተመረቐሉን እዋን ንዝኽበር ሓዱሽ ዓመት እንኳዕ ኣብፀሐኩም-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ምንስርራእ ኣብ ዝጀመረትሉን ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኣብ ዝተመረቐሉን እዋን ንዝኽበር ሓዱሽ ዓመት እንኳዕ ኣብፀሐኩም-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ጳጉሜን 5/2017 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንሓዱሽ ዓመት መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።
ሙሉእ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፡-
ኢትዮጵያ ምንስርራእ ኣብ ዝጀመረትሉን ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኣብ ዝተመረቐሉን እዋን ንዝኽበር ሓዱሽ ዓመት እንኳዕ ኣብፀሐኩም
ዝሓለፈ ዓመት ፈጣሪ ኣብ ጎንና ኮይኑ፣ዓወት ኣብ በርና ከምዝኾነ ዝረኣናሉ ዓመት እዩ ኔሩ። ኣብ ዓውድታት ግብርና፣ ቱሪዝም፣መዓድን፣መፍረያይን ኣይሲቲን ዘመዝገብናዮም ዓወታት እዚ ዝምስክሩ እዮም። ኢትዮጵያ ትኣክል ሃገር፣ኢትዮጵያውያን ዝኣኽሉ ህዝቢ ሒዝና ብትግሃት እንተሰሪሕና፣ልዕሊ እዚ ዓወት ክነመዝግብ ከምንኽእል ምስክርና ዓብይ ግድብ ሕዳሰ እዩ።
ካብ ናይ ጥንሲ ኣዋርሕ ኣዝዮም ኣፀገምቲ፣ኣዝዮም መፍርሕትን ፈተንትን እቶም ናይ መወዳእታ ሰዓታት እዮም ይበሃል። ኣብ ውሽጢ ልቢ ህዝቢ ንዘበናት ዝተጠነሰ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ንክትወልዶ ብዙሕ ፈተናታት ምስጋር ግድን ኔሩ። ብዙሕ ኣፀጋሚ ግዜ ምሕላፍ ግድን እዩ ኔሩ። ብዙሕ ዘፍርሑ ፈተናታት ምፅዋር ወሳኒ ኔሩ። ብፍላይ ድማ እቶም ናይ መወዳእታ እዋናት ሑቖ ኣሲርካ፣ሓሞት ኣምሪርካ፣ሓቦ ቆፂርካ፣ማሕለኻ ሰይርካ፣ሞት ተሳጊርካ ምኻድ ዘድልዮም እዋናት እዮም ኔሮም። ምስ ፈጣሪ፣ብፅንዓት ህዝብታት፣ጥንካረ ሰራሕተኛታት ፕሮጀክት፣መስዋእቲ ኣባላት ፀጥታና እዚ ኹሉ ሓሊፍና ናብ ምረቓ በፂሕና።
እነኽብር ምልዋጥ ዓመት ጥራሕ ኣይኮነን። ምልዋጥ ታሪኽ እውን እዩ። ምስሊ ኢትዮጵያ፣ተረኽ ኢትዮጰያ፣ ጂኦፖለቲካዊ ቁመና ኢትዮጵያ ተቐይሩ እዩ። ቀዳሞትና ክምነይዎ፣ኣያታትና እንትድህስስዎ፣ኣያታትና እንትሕልውዎ፣ንሕና እናተቓለስናሉ ዝነበረ ምንስርራእ ኢትዮጵያ ጋህዲ ኮይኑ። እዚ ንናይ ሽሕ ዘበን ጉዕዞ ልዕልናና መበገሲ እምበር መወዳእታ ኣይኮነን። ጅማሮ እምበር ፍፃመ ኣይኮነን። ንሕና ብዓቕምን ቅዋምን እንተተደሚርና፣ሃገርና በዓልቲ ብዙሕ ፀጋ እያ። ንኣፍሪካን ዓለምን ዝተርፍ ታሪኻዊ፣ባህላዊ፣ሃይማኖታውን ተፈጥሮኣውን ሃፍቲ መሊእዋ እዩ።
2018 ምንስርራእ ኢትዮጵያ ብዝበለፀ ሱርን መሰረትን እነትሕዘሉ ዓመት እዩ። ብሓደ ኢድና ፈተናታትና እናተፃወርና፣በቲ ካሊእ ኢድና ታሪኽና እናቐየርና ክንጎዓዝ ኢና። ንስር ካብ ምድሪ እንትለዓል ብዙሓት ኣዕዋፍን ነፍሳትን ሓቢሮሞ ክለዓሉ ይኽእሉ እዮም። ንዝተወሰነ እዋን እውን ሓቢሮሞ ይበሩ እዮም። ዝተወሰነ ሰዓት እውን ክሽፍንዎ ይበፅሑ እዮም። ብዝበለፀ ናብ ላዕሊ ብዝረሓቐ ቁፅሪ ግና መብዛሕቲኦም ንታሕቲ ይተርፉ። ኣብ መወዳእታ እውን ኣብቲ ህዋ ታሪኽ ኩሎም እናተዓዘበ ንስር ብዓወት ምጉዓዙ ይቕፅል።
ንሕና እውን ንኢትዮጵያ ወጋሕታን ምውንጫፍን የድልየና እዩ። 2018 ዕብየት ኢትዮጵያ ዝበለፀ እናወግሐ፣ዝበለፀ እናበርሀ፣ዝበለፀ እናደመቐ ዝኸደሉ እዩ። ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ብዝረኣና ቁፅሪ ኣይምብርከኽን በሃላይነትን ከኣላይነትን ኢትዮጵያ ንዝክር ኢና። ነቲ ቃላይ ብዝርኣና ቁፅሪ ድማ ወጋሕታ ኢትዮጵያ ንሓስብ። “ንጋት ሐይቅ”ቃላይ ወጋሕታ ዝተብሃለ እውን ነዚ እዩ። እቲ ግድብ ክሳብ ሕዚ ዝነበረ ይዛረብ እዩ። እቲ ቃላይ ድሕሪ ሕዚ ንዝመፅእ የበስር እዩ።
ንስሪ ምስ ንእሽተይን ዓብይን ብዝኾነ ዘይኮነ ኣይከራኸርን፤ኣይዘራረብን። ናብ ላዕሊ ብዝተወንጨፈ ቁፅሪ ፈተናኡ እናቐነሰ፣ዓቕሙ እናወሰኸ፣ታሪኹ እናተቐየረ ከምዝኸድ ይፈልጥ እዩ። ካብ የማንን ፀጋምን ዝውርወር እናኸኣለ ናብ ላዕሊ ይውንጨፍ። ንሕና እውን ናብ ላዕሊ ብዝወፃእና ቁፅሪ ፈተናና እናተረፈ፣ ዓወትና እናወሰኸ ከምዝኸድ ፈሊጥና፣ ኣእምሮናን ደቅናን ንስራሕ ክነሰልፍ ኣለና፡፡ ኢትዮጵያ ዝቕይራ ቅልጣፈን ፈጠራን ደቃ እዩ።
ታሪኽ ኣባይ ዝቐየሮ ስራሕ እዩ፡፡ ታሪኽ ኢትዮጵያ ዝቕይሮ እውን ስራሕ እዩ። ብብቢሮኡ፣ኣብ ሕርሻ፣ ብብግንባሩ፣ብብትካላት፣በብ ኣብያተ ትምህርቲ ዘለና ኢትዮጵያውያን ኩልና ልብና፣ሓሳባትና፣ፍልጠትናን ጉልበትናን ንብልጽግና ኢትዮጵያ ነውዕሎ። እንትንሰርሕ እንታይ ከምእንቕይር ካብ ግድብ ሕዳሰ ርኢና ኢና። ንሕና ንዓወት እንትንረባረብ ፈጣሪ ክንደይ ዝኣክል ከምዝሕግዘና ንሕና ባዕልና ምስክር ኢና። ናይ ሺሕ ዘበናት ሕቶ ንክንምልስ ሓይሊ ዝሃበና ፈጣሪ ሕቶ ዓመታትን ኣዋርሕን ንምምላስ ኣይሰኣኖን። 2018 ነዚ ዝበለፀ እናረጋግፀሉ ከምዝኸውን ይኣምን፡፡
ሎሚ ኣዒንትና ዝርኣይዎ ንምርኣይ፣ኣእዛንና ዝሰምዕዎ ንምስማዕ ንክኽእሉ መስዋእትነት ንዝኸፈልኩም ኩሉኹም ክብረት ይሃበልና። ኣብ ኹሎም ዓውድታት ዝተሳተፍኩም ኩሉኹም ኢትዮጵያ ተኽብረኩም እያ። ኣብ ጎንና ዝነበርኩም ፈተውቲ ሃገራትን ህዝብታትን ኩሉኹም ብሽም ኢትዮጵያ ነመስግነኩም። ዕብየትን ብልፅግናን ውፅኢት ቅብብል እዩ። ዝጀመርኩም፣ዘቐፀልኩም፣ንፍፃመ ዝተቓለስኩም ሽምኩም ኣብ ግድብ ሕዳሰ ፅሒፍኩም ኢኹም። ብገንዘብ፣ብፍልጠት፣ብጉልበት፣ብሚድያ፣ብዲፕሎማሲ፣ብሞያ ወዘተ. ዝከኣለኩም ዝገበርኩም ኩሉኹም ኢትዮጵያውያን ናይ ቁርፂ እዋን ደቃ ኾይንኩም ኣብ ታሪኽ ሰፊርኩም ኢኹም።
እዚ ተጋድሎና፣እዚ ምትሕብባርና፣እዚ ንብሄራዊ ረብሓና ብሓባር ደው ምባልና፣እዚ ንባዕልና ብባዕልና፣ካብ ባዕልና ምስራሕና ፅባሕ እውን ክቕፅል ኣለዎ። ኢትዮጵያ ካብዚ ንላዕሊ ይግበኣ እዩ። ኢትዮጵያ ካብዚኦም ንላዕሊ ዓበይቲ ስራሕቲ ይፅበይዋ እዮም። ነዚኣቶም እውን ሓቢርናን ተሓባቢርናን ክነሳኽዐላ ይግባእ።
እዚ ሓዱሽ ዓመት ምንስርራእ ኢትዮጰያ ብዝበለፀ መሰረት ዝሕዘሉ ከምዝኸውን ይኣምን።
ደጊመ ርሑስ ሓዱሽ ዓመት ይኹን!
ኢትዮጵያ ብፃዕሪ ደቃ ተሓፊራን ተኸቢራን ንዘልኣለም ትንበር!!
ፈጣሪ ኢትዮጵያን ህዝባን ይባርኽ!
5 ጳጉሜን 2017 ዓ/ም