ሎሚ ተጊህና ብምስራሕ፣ፅባሕ ኣዝዩ ዝሓሸ ንምግባር ተላዒልና ኢና-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ሎሚ ተጊህና ብምስራሕ፣ፅባሕ ኣዝዩ ዝሓሸ ንምግባር ተላዒልና ኢና-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ጳጉሜን 5/2017(ኢዜኣ) ትማሊ ብምጥቃምን ብምእራምን፣ሎሚ ተጊህና ብምስራሕ፣ ፅባሕ ኣዝዩ ዝሓሸ ንምግባር ተላዒልና ኢና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር መዓልቲ ፅባሕ ኣመልኪቶም ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ብዘበነ ኣናሎግ ዝነበሩ ፀማት ኣብ ዘበነ ዲጂታል ኣይድገሙን ኢሎም።
ፅባሕ“ዲጂታል ኢትዮጵያ”ፕሮጀክት ካብ ምዃን ሓሊፉ ባህሊ ክኸውን እዩ ክብሉ እውን ሓቢሮም።
ንግድን ኣገልግሎትናን ብምቅልጣፍ፣ ሓበሬታታትና ተበፃሕቲ ብምግባር፣ሓደ ሰብ ሓደ ንክኸውን ብምኽኣል፣ስርዓት ፋይናንስና ብዝበለፀ ተበፃሕን ቅልጡፍን ንክኸውን ብምግባር፣ኣገልግሎታት ትምህርትን ጥዕናን በቢ ኣንፈቱ ብምዝርጋሕ፣ዲጂታል ኢትዮጵያ ንክዕወት ፃዕርን ትኹረትን ኩላትና ከምዝደሊ ኣረዲኦም።