ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ዞባዊ ምትእስሳር ዘጠናኽር እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ጳጉሜን 4/2017(ኢዜኣ) ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ዞባዊ ምትእስሳር ዘጠናኽር ከምዝኾነ በዓል መዚ ልምዓት በየነ መንግስትታ ምብራቕ ኣፍሪካ(ኢጋድ) ኣፍሊጡ።
ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ብቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ተመሪቑ።
ኢጋድ ምምራቕ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኣመልኪቱ ንመላእ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፉ።



ወሃቢ ቃል እቶም ዋና ፀሓፊ ፔሻንስ ንያንጌ፤ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ምልክት ኒሕ፣ኢኖቬሽንን ሓባራዊ ራኢ ዘላቒ ልምዓት ኣፍሪካን ከምዝኾነ ንዜኣ ገሊፆም።
ኢጋድ ከም ሕዳሰ ዝበሉ ግድባት ዞባዊ ምትእስሳርን ዓቕሚ ኢኮኖምን ኣባል ሃገራትን መፃኢ እዋን ግዜ ብልፅግና ዝገብሩን ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ከምዝድግፍ እውን ተዛሪቦም

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም