ምዝዛም ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያውያን ናብ ቀፃሊ ስራሕ ልምዓት ንክሰጋገሩ ዝገብር እዩ- ፓትርያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ቀዳማዊ - ኢዜአ ትግርኛ
ምዝዛም ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያውያን ናብ ቀፃሊ ስራሕ ልምዓት ንክሰጋገሩ ዝገብር እዩ- ፓትርያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ቀዳማዊ
ኣዲስ ኣበባ/ጳጉሜን 4/2017(ኢዜኣ) ምዝዛም ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያውያን ናብ ቀፃሊ ስራሕ ልምዓት ንክሰጋገሩ ዝገብር እዩ ክብሉ ፓትርያርክ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ቀዳማዊ ገሊፆም።
ፓትርያርክ ቤተክርስትያን ኦርቶፎክስ ኢትዮጵያ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ቀዳማዊ ምረቓ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኣመልኪቶም መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም።
ኣብ መልእኽቶም ድማ ንዘበናት ኢትዮጵያ ቀዋሚት ገይሮም ካብ ዘፅንሑ ዓምድታት"ፈለገ ግዮን" ዝተብሃለ ሩባ እቲ ሓደ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ኣብዚ ክፋል መፅሓፍ ቅዱስ ትእምርቲ ኢትዮጵያ ተገይሩ ዝተፀርሐ ሩባ ኣባይ ኣብዚ ዘበን ንህዝቢ ብርሃን እናብርሀ ኣገልግሎት ምሃብ ዝኽእለሉ ኩነታት ስለዝተፈጠረ ፈጣሪ ነመስግን ኢሎም።
እዚ ናይ ሎሚ ምረቓ ብምንፋቕ ህንፀት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ካብ ዝተጀመረሉ መዓልቲ ጀሚሩ ንዝሰርሑን ታሪኽ ብሰናይነቱ ዝዝክሮ ዋጋ ንዝኸፈሉን እንኳዕ ደስ በለኩም ኢሎም።
ምዝዛም ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያውያን ናብ ቀፃሊ ስራሕ ልምዓት ንክሸጋገሩ ዝገብር ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
ኣብ ቀፃሊ እውን ኢትዮጵያውያን ንዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ሃገሮም ብትኹረት ክሰርሑ ከምዘለዎም ኣረዲኦም።
ዘላቒ ልምዓት ንሃገራዊ ምንስርራእ!