ልዕሊ 30 ቢልዮን ዶላር ፈሰስ ዝግበረሎም ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ኣብ ቀፃሊ ዓመታት ክህነፁ እዮም-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ልዕሊ 30 ቢልዮን ዶላር ፈሰስ ዝግበረሎም ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ኣብ ቀፃሊ ዓመታት ክህነፁ እዮም-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ጳጉሜን/ 4/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ዝቕፅሉ ዓመታት ልዕሊ 30 ቢልዮን ዶላር ፈሰስ ዝግበረሎም ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ከምዝህነፁ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ተዛሪቦም።
ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ብቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ሎሚ መዓልቲ ተመሪቑ።
ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)፣ፕሬዚዳንት ኬንያ ዊሊያም ሩቶ (ዶ/ር)፣ፕሬዚዳንት ጅቡቲ ኢስማኤል ኦመር ጊሌህ፣ፕሬዝዳንት ሶማሊያ ሀሰን ሼክ መሀሙድ (ዶ/ር)፣ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ማያርዲት፣ቀዳማይ ሚኒስትር ባርባዶስ ሚያ ኣሞር ሞትሊ፣ቀዳማይ ሚኒስትር እስዋቲኒ ሩሴል ሚሶ ድላሚኒ፣ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሀመድ አሊ ዩሱፍ፣ዋና ፀሓፊ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ውሕመ ክላቨር ጋቴቴ ተረኺቦም።
ብተወሳኺ እውን ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ፣ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር፣ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ተረኺቦም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ኣብ ዝገበርዎ መደረ፤ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ኣብ ቀጻሊ ትሃንፆም ዓበይቲ ፕሮጀክትታት መብራህርሂ ሂቦም።
ክንዲ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ዝኸውን ንሰላማዊ ዕላማ ዝውዕል ማእኸል መበልፀጊ ኒውክለር ከምትሃንፅ ሓቢሮም።
ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ዝዓበየ ህንፀት መዕርፎ ነፈርቲ ከምትጅምር እውን ገሊፆም።
ኣብ ውሽጢ ውሑዳት ሰሙናት ፈላማይ ፋብሪካ ጋዝ ከምዝምረቕን ኣብቲ መዓልቲ ካብቲ ፈላማይ ፋብሪካ ጋዝ ልዕሊ 10 ዕፅፊ ዝኸውን ህንፀት ፋብሪካ ጋዝ ከምዝጅመርን ኣረዲኦም።
ንዘበናት እንምነዮ ዝነበርና ሕልምና ጋህዲ ዝገብሮ መፃረዪ ነዳዲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ከምዝጅምር እውን ኣፍሊጦም።
ኣብ ቀረባ እዋን ብዝተፈረመ ስምምዕ ስራሕ ህንፀት ፋብሪካ ማዳበሪያ ክጅመር እዩ ኢሎም።
ኣብ ዝቕፅሉ 5 ዓመታት እንተነኣሰ 1 ነጥቢ 5 ሚልዮን ኣባይቲ ንኢትዮጵያውያን ከምዝህነፁ እውን ኣብራህሪሆም።
ኣብ ዝቕፅሉ ዓመታት ብሓፈሻ ልዕሊ 30 ቢልዮን ዶላር ፈሰስ ዝግበረሎም ንደቂ ኣፍሪካ ቅንዕ ዘብሉን ብልፅግና ኢትዮጵያ ዘረጋግፁን ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ከምዝህነፁ ኣረዲኦም።
በቲ ዝሰራሕናዮ ገድሊ ጥራሕ ዘይኮነስ ንዝፅበየና ከቢድ ስራሕ ተዓጢቕና ብምልዓል ብልፅግናን ብሩህ ተስፋን ኢትዮጵያ ንምቅልጣፍ ኢትዮጵያውያን ሓቢርና ጠጠው ንበል ክብሉ እውን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ፃውዒት ኣቕሪቦም።