ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ንፍፃመ ንኽበቅዕ ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ ኣካላት ሽልማት ክብሪ ኒሻን  ኣበርኪቶም

 

ኣዲስ ኣበባ/ ጳጉሜን/4/ 2017 /ኢዜኣ/ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (/)ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ንፍፃመ ንኽበቅዕ ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ ኣካላት ሽልማት ክብሪ ኒሻን  ኣበርኪቶም፡፡

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ፤ እቲ ግድብ ንፍፃመ ንኽበቅዕ ልዐል ኣስተዋፅኦ ዘበርከቱ ኣካላት ካብ ኢድ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (/) ናይ ክብሪ ኒሻን ሽልማት ተቐቢሎም፡፡

ዋና መካየዲ ስራሕ ፕሮጀክት እቲ ግድብ ኢንጅነር ክፍሌ ሆሮ፣ ምክትል መካየዲ ስራሕ ፕሮጀክት እቲ ግድብ ኢንጅነር ኤፍሬም ወልደኪዳን ናይ ክብሪ ኒሻን ሽልማት ተበርኪቱሎም፡፡

 መካየዲ ስራሕ ጣቢያ ኦፕሬሽን ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኢንጂነር ከማል ኣሕመድን ብመዓርግ ምክትል መካየዲ ስራሕ መተሓባበሪ ሳይት ፕሮጀክት ኣይተ በላቸው ካሳ ካልኦት ናይ ክብሪ ኒሻን ተሸለምቲ ኢዮም፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም