ኣፍሪካ ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር እትደልዮ ረድኤት ዘይኮነስ ሓባራዊ ኢንቨስትመንት እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)





 

ኣዲስ ኣበባ/ጳጉሜን 3/2017(ኢዜኣ) ኣፍሪካ ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር እትደልዮ ረድኤት ዘይኮነስ ሓባራዊ ኢንቨስትመንት እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (/) ገሊፆም።

መበል 2 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣፍሪካ ኣብ ማእኸል ዓለም ለኸ ኮንቬንሽን ኣዲስ እናተሳለጠ እዩ ዝርከብ።

ኣብቲ ጉባኤ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (/) ሓዊሱ መራሕቲ እቲ ዞባን ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካን፣መራሕቲ ዓለም ለኸ ትካላት ከምኡ እውን ተመራመርቲ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ይሳተፉ ኣለዉ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (/) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ፈተና ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምፅዋር ካብ ዝጎደለና ዘይኮነስ ካብ ዘለና ክንጅምር ኣለና።

ኣብዚ መዳይ ኣፍሪካ በዝሒ መናእሰይ፣ምልማዕ ዝኽእል መሬትን ንተሓዳሲ ሓይሉ ዝኸውን ዓቕምን ኣለዋ ኢሎ።

ስለዝኾነ እውን ኣብዚ ዝተረኸብና መፍትሒ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዓለም ንምንዳይ እዩ ክብሉ ሓቢሮም።

ኣፍሪካ ስነ ምህዳራ ከይጎድአት ምዕባይ ከምትኽእል እውን ተዛሪቦም።

ኣፍሪካ ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር እትደልዮ ረድኤት ዘይኮነስ ሓባራዊ ኢንቨስትመንት እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣብ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዝግበር ኢንቨስትመንት ዝለዓለ ረብሓ ከምዘለዎ ፀሪሖም።

ኣፍሪካ ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ፍልፍል መፍትሒ ክትኸውን ከምዘለዋ ብምሕባር፤ ናይ ባዕላ ልኣላዊነት ሓበሬታ ለውጢ ከባብያዉ ኣየር እውን ክህልዋ ይግባእ ኢሎም።

ዩኒቨርሲቲታትን ተመራመርትን እታ ኣህጉር ከምኡ እውን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ዘሳተፈን ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር መፍትሒ ዘቕርብን ማዕቐፍ ንክጣየሽ እውን ሓሳብ ኣቕሪቦም።

ኣብዚ መዳይ ኢትዮጵያ ቅድሚ 7 ዓመታት ብዝጀመረቶ ሓምለዋይ ኣሰር ልዕሊ 48 ቢልዮን ፈልስታት ከምዝተኸለት ኣረዲኦም።

መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ከባቢ ካብ ምሕላው ብተወሳኺ ዝተጎድኡ ከባብታት ንክሓውዩ፣ንውሕስና ምግብን ፈጠራ ዕድል ስራሕን ዓብይ ዕድል ከምዝፈጠረ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ምስ መፍትሒ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዝተስማዕመዐ ልምዓት መስኖ ኣብ ምስላጥ እውን ኣብ ፍርያት ስርናይ ልዑል ለውጢ ከምዘምፀአት ኣብራህሪሆም።

ኣብ ቀረባ እዋን ዝምረቕ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ እውን ልዕሊ 5 ሽሕ ሜጋ ዋት ተሓዳሲ ሓይሊ ብምፍልፋል ኢትዮጵያን እቲ ዞባን ብሓይሊ ተጠቀምቲ ከምዝገብር ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ምትእንጋድ ከምትደሊ እውን ፀሪሖም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም