ኣብ ኢትዮጵያ በብዘርፉ ዝተረኸቡ ለውጥታት ሃገርና ኣብ ቐፃሊ ንትበፅሓሎም ብራኸ ዘመላኸት ዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ኢትዮጵያ በብዘርፉ ዝተረኸቡ ለውጥታት ሃገርና ኣብ ቐፃሊ ንትበፅሓሎም ብራኸ ዘመላኸት ዩ

አዲስ አበባ/ ጳጉሜን/ 3/2017(ኢዜአ)፦ ኣብ ኢትዮጵያ በብዘርፉ ዝተረኸቡ ለውጥታት ሃገርና ኣብ ቐፃሊ ንትበፅሓሎም ብራኸ ዘመላኸት ዩክብሉ ሚኒስትር ገንዘብ አህመድ ሽዴ ገሊፆም።
ጳጉሜን 3 መዓልቲ እምርታ ኣብ ሚዝየም ሳይንስ "እምርታ ንዘላቒ ዕብየት" ብዝብል መሪሕ ቃል አብ ምኸባር ይርከብ ፡፡
እዚ ዕለት ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ዝተመዝገቡ ኩለመዳያዊ ዓዎታትን ውፅኢታትን ዝድህሰሰሉ እዩ።
ኣብ እቲ መርሃ ግብሪ ሚኒስትር ገንዘብ ኣህመድ ሽዴ፣ሚኒስትር እንዱስትሪ መላኣኩ ኣለበል ፣ሚኒስትር መኣድን ኢንጂነር ሃብታሙ ተገኝን ሓለፍቲ ስራሕ ዝተፈላለዩ ትካላት ሚኒስትር ድኤታታት ሓለፍቲ ስራሕ ከምኡ እውን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ተረኺቦም።