ሕቶ ዘበናት ህዝበ ሙስሊም በዚ ናይ ለውጢ መንግስቲ መልሲ ረኺቡ እዩ-ሀጂ ኢብራሂም ቱፋ - ኢዜአ ትግርኛ
ሕቶ ዘበናት ህዝበ ሙስሊም በዚ ናይ ለውጢ መንግስቲ መልሲ ረኺቡ እዩ-ሀጂ ኢብራሂም ቱፋ
ኣዲስ ኣበባ/ጳጉሜን 2/2017 (ኢዜኣ) ሕቶ ዘበናት ህዝበ ሙስሊም በዚ ናይ ለውጢ መንግስቲ መልሲ ረኺቡ እዩ ክብሉ ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሀጂ ኢብራሂም ቱፋ ገሊፆም።
ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ መዛዘመ መርሃ ግብሪ ከይዲ መረፃ መጅሊስ 2017 ኣብ ሆቴል ሸራተን ኣዲስ ኣካይዱ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ሊቀጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ካርዲናል ብርሃነ ኢየሱስ ሱራፌል፣ላዕለዋ ፀሓፊ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ሊቀ ትጉሃን ቀሲስ ታጋይ ታደለን ዕዱማት ኣጋይሽን ተረኺቦም።
ኣብቲ ናይ ሎሚ ዘበን መረፃ መጅሊስ ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ኮይኖም ዳግማይ ዝተመረፁ ሀጂ ኢብራሂም ቱፋ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ሕቶ ዘበናት ህዝበ ሙስሊም በዚ ናይ ለውጢ መንግስቲ መልሲ ረኺቡ እዩ።
እቲ ከይዲ መረፃ ዕዉት ንክኸውን ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ ትካላት መንግስትን ተሓባበርቲ ኣካላትን እውን ኣመስጊኖም።
ኣብ ቀፃሊ እውን ህዝበ ሙስሊም ዝሃቦም ዓብይ ሓደራ ብተኣማንነትን ውፅኢታውነትን ንምፍፃም ብቆራፅነት ከምዝሰርሑ ኣፍሊጦም።