መለወጢ ዘበን ብሄረሰብ ጉሙዝ "ጓንዷ" መርኣያ ፀጋ ሰላም እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
መለወጢ ዘበን ብሄረሰብ ጉሙዝ "ጓንዷ" መርኣያ ፀጋ ሰላም እዩ
ኣሶሳ/ጳጉሜን 1/2017 (ኢዜኣ) መለወጢ ዘበን ብሄረሰብ ጉሙዝ "ጓንዷ" መርኣያ ፀጋ ሰላም ከምዝኾነ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ጌታሁን ኣብዲሳ ገሊፆም።
ኣብ ብሄረሰብ ጉሙዝ ኣብ ጳጉሜን ብድሙቕ ዝኽበር በዓል መለወጢ ዘበን”ጓንዷ”፤ ዝበፅሑ ዝራእቲ ዝጠዓምሉ፣ተወለድቲ እቲ ብሄረሰብ ባህላዊ ጭፈራታት ኣብ ኣደባባይ ዘርእይሉ እዩ።
በዓል መለወጢ ዘበን ብሄረሰብ ጉሙዝ "ጓንዷ" "ጓንዷ ንሰላም፣ንልምዓትን ንሕዳሰናን"ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ብዘተ ፓነል ኣብ ከተማ ኣሶሳ ተኸቢሩ።
ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ጌታሁን ኣብዲሳ ኣብዚ እዋን፤ መለወጢ ዘበን ብሄረሰብ ጉሙዝ"ጓንዷ" መርኣያ ፀጋ ሰላም እዩ ኢሎም።
እቲ በዓል ዝተፃልኡ ዝዕረቕሉን ዝተረሓሓቑ ቤተሰብ ዝራኸብሉን ምልክት ሰላምን ፍቕርን ስለዝኾነ እዚ ሓዱሽ ዓመት ብንፁህ ልቢ ንምቕባልን ሕብረት ንምጥንኻርን ከምዝሕግዝ እውን ሓቢሮም።
ሓላፊት ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን እቲ ክልል ምስኪያ ኣብደላ ብግደአን፤ ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ባህላዊ ፀጋታት ብሄር ብሄረሰባት ንምልላይን ንምልማዕን ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ተዛሪበን።