“ፅኑዕ መሰረት ብርትዕቲ ሃገር” - ኢዜአ ትግርኛ
“ፅኑዕ መሰረት ብርትዕቲ ሃገር”
ብደምን ኣዕፅምቲን ኣያታትና ፀኒዓ ዝነበረት ሃገርና ብልዑል ብርኪ ተሓፊራን ተኸቢራን ንክትቅፅል ኣብ ጉዕዞ ሓዱሽ ምዕራፍ ንርከብ።
በቢእዋኑ ዘጋጠሙ ፈተናታት ብፅንዓት ምሕላፍ ሓዱሽ ታሪኽ ዝሰርሑ ናይ ጀጋኑ ሃገር ፤ ኢትዮጵያ ።
በቢታሪኹ ዝፍፀሙ ዓወታት ድማ ሰብ ዋንኣ እንትህልዉ ኢትዮጵያዊ እንትሞቱ ኢትዮጵያዊ ምዃን ዝምነዩ ደቃ እዮም።
ነዙይ እዩ ድማ 1 ጳጉሜን “ፅኑዕ መሰረት ብርትዕቲ ሃገር”ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብብርኪ ሃገር ነዞም ጀጋኑ ንምምስጋን እነኽብሮ።
ኢትዮጲያ ንዘበናት ብፀገማትን ፈተናታትን ዘይተሰኮነት ገመዳት ታሪኻን ተረኻን ዝተኣሳሰሩላ ሃገር እያ።
ኣብ ድሮ ዓወት ዓድዋ ሕማም ከፍትን ድርቅን ከምኡ እውን ሕድ ሕዳዊ ንሕንሕ ኢትዮጵያ እናፈተኑ ኔሮም።
ፅኑዕ መሰረት ሃገርነት ከምዝነበረና ዘይተረድአ ፀላኢ ወሪሩና፣ጀጋኑ ኣያታትና እቲ ሕድ ሕዳዊ ንሕንሕ ገዲፎም፣ድርቅን ህልቂት እንሰሳትን ዘስዓብዎ ፅልዋ ተፃዊሮም ናብ ዓድዋ ወፈሩ፤ ታሪኽ ዓለም ቅድሚ ዓድዋን ድሕሪኡን ኢሉ ዝኸፈለ ዓወት ኣመዝጊቦም ብርትዕቲ ሃገር ኣረኪቦምና።
ኣብዚ ክፍለ ዘበን እውን ኢትዮጵያ ሓዱሽ ምዕራፍ ታሪኽ ዝፈጠረት ብርትዕቲ ሃገር እያ። ቅድሚ ሕዳሰ ግድብን ድሕሪኡን ዝብል ካሊእ ምዕራፍ ታሪኽ ብፈተናታት ሓሊፋ ኣዐዊታ እያ።
እዚ መቐይሮ ታሪኽ ንምፍጣር ጠንካራን ንዝኾነ ነገር ዘይትቃላዕን ሃገር ናይ ምህናፅ ቆራፅነት ይሓትት ነበረ።
ድርቂ፣ውሕጅ፣ኲናት፣ለበዳ ኮቪድ-19፣ኣንበጣ፣ ምንሽርታት መሬት፣ምብዛሕ ዓለም ለኸ ዲፕሎማሲያዊ ፅልዋ፣ታሪኻዊ ፀላእትና በቢቦትኡን በቢእዋኑን ዝኹዕትዎ ጉድጓድ ሽርሒ ወ.ዘ.ተ. ፈተናታት ሕዳሰ ግድብና እዮም ኔሮም።
ይኹን እምበር ንፈተና ተቓሊስካ ከም ወርቂ ተፈቲንካ ልኣላዊነት ሃገር ምፅናዕን ታሪኽ ምስራሕን ንኢትዮጵያውያን መግለፂኦም ስለዝኾነ ክወግሕ ክብል ዝነበረ ፀልማት ብብርሃን ሕዳሰ ገሊፀሞ። ኩሎም ፈተናታት ብዓወት ተሳጊሮም ታሪኽ ኢትዮጵያ ቅድሚ ዓብይ ግድብ ሕዳሰን ድሕሪኡን ብዝብል ምዕራፍ ታሪኽ ከፊሎሞ እዮም።
ነዚ ድማ በቢግምባሩ ብዝነበረ ተጋድሎ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ፅኑዕ መሰረት ዘለዋ ሃገር ሃኒፆምልና ሓሊፎም እዮም፤ ዘልኣለማዊ ክብሪ እውን ካብ ሎሚ ክሳብ ፅባሕ ክንህቦም ኢና።
ካብ ታሪኽና ዝተምሃርናዮ ኢትዮጵያዊ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዝተሓባበር፣ብዛዕባ ኢትዮጵያ ሂወቱ ብሓጎስ ዝኸፍል፣ብዛዕባ ኢትዮጵያ ምድራዊ ፈተናታት ብቆራፅነት ዝፃወርን ንዓወት ዝበቅዕን ፅኑዕ መሰረት ብርትዕቲ ሃገር ንምቕፃል ዝፅዕር እዩ። እዚ ፃዕርን ፍቕርን ደቃ ድማ ኢትዮጵያ ፍፁም ኣይትርስዖን።
እንኳዕ ን1 ጳጉሜን፣መዓልቲ ፅንዓት ብሰላም ኣብፀሐኩም!
ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ
30 ነሓሰ 2017 ዓ/ም