ኣብ ኩሎም ዓውድታት ኣብ ንገብሮ ተጋደሎ መሰረት ኢትዮጵያ ክነፅንዕ ኢና-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ጳጉሜን 1/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ኩሎም ዓውድታት ኣብ ንገብሮ ተጋደሎ መሰረት ኢትዮጵያ ክነፅንዕ ኢና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር “ፅኑዕ መሰረት ጠንካራ ሃገር” ብዝብል ዝኽበር 1 ጳጉሜን መዓልቲ ፅንዓት ኣመልኪቶም ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቶም፤ ኢትዮጵያ ብልፅግናኣ እተረጋግፅ መሰረታ ንምፅናዕ ብዝኽእሉ ብርቱዓት ኣእዳው እዩ ኢሎም።
ኣብ ኩሎም ዓውድታ ኣብ ንገብሮ ተጋድሎ መሰረት ኢትዮጵያ ክነፅንዕ ኢና ክብሉ እውን ሓቢሮም።
ንዝኾኑ ፀገማት ዘይትቃላዕ፣ፈተናታት ናብ ዕድል እትቕይር፣ኣብ መፃኢ ዘበን እውን ምስተን ሓያላት እትስለፍ ብርትዕቲ ሃገር ብደምን ረሃፅን ክንሃንፅ ኢና ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም