መዓልቲ ፅንዓት ኣብ ዓውድታት ፀጥታን ድሕንነትን ንዝተመዝገቡ ኩለመዳያዊ ዓወታት ብዘንፀባርቑ ምድላዋት ክኽበር እዩ-ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
መዓልቲ ፅንዓት ኣብ ዓውድታት ፀጥታን ድሕንነትን ንዝተመዝገቡ ኩለመዳያዊ ዓወታት ብዘንፀባርቑ ምድላዋት ክኽበር እዩ-ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 30/2017(ኢዜኣ) 1 ጳጉሜን መዓልቲ ፅንዓት ኣብ ዓውድታት ፀጥታን ድሕንነትን ንዝተመዝገቡ ኩለመዳያዊ ዓወታት ብዘንፀባርቑ ምድላዋት ብድሙቕ ከምዝኽበር ሚኒስትር ምክልኻል ኢንጂነር ኣይሻ መሓመድ ገሊፀን።
እተን ሚኒስትር ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ፤ መዓልቲ ፅንዓት “ፅኑዕ መሰረት ብርቱዕ ሃገር”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ሚኒስቴር ምክልኻል፣ፖሊስ ፌደራል፣ ኣገልግሎት ብሄራዊ ሓበሬታን ድሕንነትን፣ምምሕዳር መርበብ ድሕንነት ሓበሬታን ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስን ብሓባር ንምኽባር ምድላው ከምዝገበሩ ሓቢረን።
እቲ መዓልቲ ኣብ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብርታት ከምዝኽበር ብምሕባር፤ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ጥበብ፣"የጽናት ሸማኔዎቹ" ዝተብሃለ ዘጋቢ ፊልም፣ዲጂታል ዓውደ ርእይ ሓዊሱ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ሃገራዊ ፅንዓትን ዋጋን ዝገልፁ መርሃ ግብርታት ክቐርቡ እዮም ኢለን።
እቶም ምድላዋት ኢትዮጵያ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ እናተሸጋገረት ኣብ ዘላትሉ እዋን ናይ ፀጥታን ድሕንነትን ትካላታ ንምምዕባል ዝኸደትሉ ብርኪ፣ዝተመዝገቡ ዝነኣዱ ዓወታት መግለፂ ፅንዓት ኮይኖም ዝቐርብሉ ከምዝኾነ እውን ሓቢረን።
መዓልቲ ፅንዓት መሰረት ዓወት ዝኾነ ህዝብና እንንእደሉ፣ኣብ ዓውድታት ፀጥታን ድሕንነትን ዝተመዝገቡ ኩለመዳያዊ ዓወታት ዋጋ ዝወሃበሉ ከምዝኾነ ኣረዲአን።
ብፅንዓት ጠጠው ምባልና እንእውጀሉ፣ኢትዮጵያውያን ብዘየማትእ ቆራፅነትን ሓድነትን ሃገርና ናብ ዝለዓለ ብርኪ ብልፅግና ንምብፃሕ ዘኽእላ መንፈስ ፅንዓት እንሕድሰሉ መዓልቲ እዩ ክብላ እውን ገሊፀን።
ፅባሕ ረፋድ ሰዓት 5:30 ኩሎም መራኸብቲ ሓፋሽ መዝሙር ህዝቢ ኢትዮጵያ ብምኽፋት ኣብ ኩሎም ከባብታት ዝርከቡ ዜጋታት ንቀፃሊ ምዕራፍ ጉዕዞ ፅንዓት ቃል ዝኣትውሉ መርሃ ግብሪ ከምዝካየድ ኣብሪሀን።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ኣካላት ፀጥታን ድሕንነትን ከምኡ እውን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ከምዝርከቡ ገሊፀን።