ኣገልግሎት ብሄራዊ ሓበሬታን ድሕንነትን ንሰራሕተኛታትን ብጥሮታ ንዝተሰናበቱ ነበር ኣባላቱን መኣዲ ኣካፊሉ

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 30/2017(ኢዜኣ) ኣገልግሎት ብሄራዊ ሓበሬታን ድሕንነትን ንሰራሕተኛታትን ብጥሮታ ንዝተሰናበቱ ነበር ኣባላቱን መኣዲ ኣካፊሉ።
ኣገልግሎት ብሄራዊ ሓበሬታን ድሕንነትን ንመራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ፤ 2 ጳጉሜን 2017 ዓ/ም ዝኽበር መዓልቲ ህብርን ሓዱሽ ዓመትን ምኽንያት ብምግባር ንሰራሕተኛታቱን ብጥሮታ ንዝተሰናበቱ ነበር ኣባላቱን መርሃ ግብሪ ምክፋል መኣዲ ኣሳሊጡ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ንበዓል መውዓሊ ዝኸውን ውህብቶ ናውትን ደገፍ ገንዘብን ተበርኪቱ።
ምክትል ጀነራል ዳይሬክተር ኣገልግሎት ብሄራዊ ሓበሬታን ድሕንነትን ኣይተ ርስቱ  ይርዳው ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተረኺቦም፤ ትማሊ ሃገሮምን ትካሎምን ብትግሃት ዋጋ ብምኽፋ እውን ዘገልገሉን ሎሚ እውን እናገልገሉ ዝርከቡ ሰራሕተኛታትን ምድጋፍ ኣካል ስራሕ ብብርኪ ሃገር ዝተጀመረ ሰብ ተኮር ልምዓት እዩ ኢሎም።
እቲ ኣገልግሎት ኣብዚ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ዘለዎ ማሕበራዊ ሓላፍነት ንምውፃእ ንዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ደገፍ ምግባሩ ብምዝኽኻር፤ ሎሚ መዓልቲ ዝተገበረ መርሃ ግብሪ ምክፋል መኣዲ እውን ኣካል እዚ ስራሕ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ካብ ወርሓዊ ደሞዞም ብምውፃእ ዓቕሚ ንዘይብሎምን ዓበይትን ክፋላት ሕብረተሰብ ንምድጋፍ ተሳትፎ እናገበሩ ከምዝኾኑ ብምሕባር፤ እዚ ድማ እቲ ቤት ዕዮ ምስ ማሕበረሰብ ብዝበለፀ ከምዘተኣሳሰሮን ማሕበራዊ ሓላፍነቱ ብኣግባቡ ንክዋፃእ ዕድል ከምዝፈጠረሉን ተዛሪቦም።
ኣብ ቀፃሊ እውን ማሕበረሰብ ተኮር ስራሕቲ ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ፀሪሖም።
ምክትል ጀነራል ዳይሬክተር ኣገልግሎት ብሄራዊ ሓበሬታን ድሕንነትን ኣይተ ታዜር ገብረእግዚኣብሄር ብግደኦም፤ ብብርኪ ትካል ዝተውሃበና ልኡኽቶ ካብ ምፍፃም ብተወሳኺ ኣብ ስራሕቲ ደገፍ ማሕበረሰብ ተኮር ዘለና ተሳትፎ እናዓበየን ባህሊ እናኾነን መፂኡ እዩ ኢሎም።
ኣገልግሎት ብሄራዊ ሓበሬታን ድሕንነትን ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ወረዳ ጎፋ ሓደጋ ምንሽርታት መሬት ንዘጋጠሞም ዜጋታትን ንማእኸል ደገፍ ኣረጋውያንን ኣእምሮኣዊ ፀገም ዘለዎምን መቄዶንያን ደገፍ ካብ ምግባር ሓሊፉ መንበሪ ኣባይቲ ሰራሕተኛታት እቲ ትካልን ኣረጋውያንን ከምኡ እውን ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ምሕዳስን ምህናፅን ሰፊሕ ተሳትፎ ከምዝገበረ እቲ ኣገልግሎት ንመራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ገሊፁ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም