ጉዕዞ ብልፅግና ኢትዮጵያ ንምጥንኻር ወታደራዊ ዓቕሚ ምህናፅ ወሳኒ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ጉዕዞ ብልፅግና ኢትዮጵያ ንምጥንኻር ወታደራዊ ዓቕሚ ምህናፅ ወሳኒ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 29/2017(ኢዜኣ) ብልፅግና ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ኣብ ኢኮኖሚ ዝተጀመረ ጉዕዞ ዘላቒ ንምግባር ወታደራዊ ዓቕሚ ምህናፅ ኣድላይ ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር ኣብ መፍረዪ ድሮን ኤሮ ኣባይ ሎሚ መዓልቲ ዑደት ገይሮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ነቲ ዑደት ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ፤ ሓንቲ ሃገር ጠጠው ካብ ዘብሉ ዓምድታት ለውጢ ኢኮኖሚ እቲ ሓደ ከምዝኾነ ብምግላፅ ኢትዮጵያ ኣብዚ መዳይ ልዑል ውፅኢት እናመዝግበት ከምዝኾነት ሓቢሮም።
ኣብቲ ሪፎርም ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ፀብለልታ ኢኮኖሚ እናመዝገባ ካብ ዘለዋ ሃገራት እታ ሓንቲ ምዃን ከምዝኸኣለት እውን ገሊፆም።
ኣብ ትኽክለኛ መንገዲ ዝርከብ ዕቤት ኢኮኖሚ ብወታደራዊ ዓቕሚ እውን ምድጋፍ ብልፅግና ንምርግጋፅ ወሳኒ እዩ ኢሎም።
ብልፅግና ኢትዮጵያ ጋህዲ ምዃንን ምልዋጥ ኢትዮጵያን ዘየጠራጥር ሓቂ እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣብ ኢኮኖሚ ዝተጀመሩ ጉዕዞታት ብወታደራዊ ዓቕሚ እናደገፍካ ምኻድ ከምዘድሊ ኣረዲኦም።
ዕቤት ሓንቲ ሃገር ዝልካዕ ብገንዘብ ጥራሕ ዘይኮነስ ብዘለዋ ወታደራዊ ዓቕሚ እውን እዩ ክብሉ ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ንምብልፃግ ዘኽእል ልዑል ዓቕሚ ዘለዋ ሃገር ከምዝኾነት ብምግላፅ፤ ኣብ ግብርና፣ ኢንዱስትሪ፣ ቴክኖሎጂ፣ቱሪዝምን መዓድንን ዝርከብ ዘሎ ውፅኢትን ዕቤትን ብወታደራዊ ዓቕሚ እውን ክጠናኸር ከምዘለዎ ፀሪሖም።
እቲ ናይ ሎሚ ዑደት እውን ኢትዮጵያ ጎና ጎኒ ዕቤት ኢኮኖሚኣ ትሃንፆ ዘላ ወታደራዊ ዓቕሚ ዘርኢ እዩ ኢሎም።
ኣብ ኤሮ ኣባይ ብቐሊሉ ዝተፈላለዩ ናውትታት ሒዞም ንምንቅስቓስ ዝኾኑ ድሮናት ዑደትን ንንግዲ ዝውዕሉ ድሮናትን እናፈረዩ ከምዝኾኑ ኣብራህሪሆም።
ድሮናት ኣብ ብዙሓት ትካላት እናፈረያ ከምዝርከባ እውን ፀሪሖም።
ኢትዮጵያ ቅድሚ ዓመታት ድሮን ምዕጣቕ ዘይኮነስ ፈተና ምግዛእ ከምዝነበራ ብምሕባር፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግና ገዚእኻ ካብ ምጥቃም ብተወሳኺ ብናይ ባዕላ ዓቕሚ እናፍረየት እያ ትርከብ ኢሎም።
ወታደራዊ ዓቕሚ ህልውናን ልኣላዊነትን ኢትዮጵያ ዝፈታተን ሓይሊ እንትመፅእ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ዝተጀመረ ብልፅግና ንምሕላው ዘኽእል መሳርሒ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
ኢኮኖሚያውን ወታደራውን ዕቤት እንትረጋገፅ ባህሊ፣ ታሪኽን መልክኣ ምድሪ ምስልን ብስራሕቲ ኪነ ጥበብ ብምጉላህ ኩለመዳያዊ ብልፅግና ምርግጋፅ ከምዝከኣል ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ድኽነትን ፀገምን ዘይምጥና ሃገር እያ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ ኣብ ቴክኖሎጂ ዝተጀመረ ሓፈሻዊ ስራሕ ናይ ምውድዳር ዓቕሚ ዘለዋ ሃገር ንምህናፅን ብልፅግና ጋህዲ ንምግባርን ከምዘኽእል ኣረዲኦም።
ኩሉ ዜጋ ኩለመዳያዊ ብልፅግና ኢትዮጵያ ኣብ ዘረጋግፁ ስራሕቲ ክረባረብ ከምዘለዎ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።