ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያውያን ብጠንካራ ቅልፅሞም ጋህዲ ዝገበርዎ ታሪኽ ቀያሪ ፕሮጀክት እዩ- ኡስታዝ ጀማል በሽር

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 28/2017(ኢዜኣ) ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያውያን ብጠንካራ ቅልፅሞም ጋህዲ ዝገበርዎ ታሪኽ ቀያሪ ፕሮጀክት ከምዝኾነ ወናኒ ሚድያ “የዓባይ ንጉሶች”ን ብዛዕባ እቲ ግድብ ኣብ ሚድይኦም ብምኽንያት ዝከራኸሩን ኡስታዝ ጀማል በሽር ገሊፆም።
ኡስታዝ ጀማል በሽር ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ካብ ህንፀት ብተወሳኺ ብዙሓት ዓወታት ዝተረኸብሉ ከምዝኾነ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ሓቢሮም።
ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያውያን ረሃፆም፣ደሞምን ገንዘቦምን ብምፍሳስ ዘዐወትዎ ዓወት ህዝቢ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ሃፍቲ ተፈጥሮኣ ናይ ምጥቃምን ምልማዕን ፍትሓዊ ሕቶኣ ብተግባር ዘርኣየትሉ ፕሮጀክት እዩ ኢሎም።
እዚ ግድብ ኢ-ፍትሓዊ ባዕዳዊ ውዕላት ዋጋ ዘይብሎም ብምግባር ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ተፋሰስ ሓዱሽ ምዕራፍ ምትሕብባር ከምዝፈጠረ እውን ፀሪሖም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ቀረባ እዋን “ምብቃዕ ታሪኽ ዘኽታምነት”ብዝብል ርእሲ ኣብ ዝተኻየደ ወግዒ ኣብ ጉባ ዝሃብዎ መብራህርሂ ከምዝተኸታተልዎ ዝገለፁ ኡስታዝ ጀማል፤ ዓወት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ነስሓ ነዊሕ ዘበን ጋህዲ ዝገበረ ምዃኑ ብጭቡጥ ዝተገንዘብናሉ እዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያውያን ብዝሓበረ ቅልፅሞም ታሪኽ ቀያሪ ዝኾነ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ንክዛዘም ከምዘኽኣሉ እውን ተዛሪቦም።
እቲ ግድብ ኣብ ቀፃሊ ኢትዮጵያ ዝጀመረቶም ዓበይቲ ሃገራዊ ፕሮጀክትታት ንምዕዋት ዓብይ ዓቕሚ ከምዝፈጥር ኣረዲኦም።
እቲ ግድብ ዞባዊ ምትእስሳር ኣብ ምጥንኻር እውን ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ ኣብራህሪሆም።
ኢትዮጵያውያን ኣብ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ዘርኣይዎ ሕብረት ኣብ ካልኦት ሓባራዊ ጉዳያት እውን ብምጥንኻር ሃገሮም ንምልማዕ ተጊሆም ንክሰርሑ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም